Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ 9 ኣዋርሕ ንተፀዋዕቲ ትካላት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴሪኢ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ 9 ኣዋርሕ ንተፀዋዕቲ ትካላትን ሓለፍቲ ምድብ ቤት ፅሕፈታትን ኣቕሪቡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝግበር ርብርብ ብቐንዱ ኣብ ምክልኻል ኮቪድ19 ዘተኮረ ይኹን እምበር፥ ሓላፊነት እተን ትካላት ኣብ ምሃብ መልሲ ሕቶታት መሰልን ፍትሒን ዜጋታት ዝተተሓሓዘ ብምዃኑ እቲ ኣኼባ ብፍሉይ ኩነታት ከምዝተፈቐደ ላዕለዋይ ዓቃቢት ሕጊ ፌዴራል ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እቲ ዝቐርብ ፀብፃብ ናይ ዋና ቤት ዕዮን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ትልሚ ዝተርኣዩ ጥንኩራትን ድኹማትን ጎድኒታቱ ገምጋምን ከምዝግበር እውን ኣብሪሀን።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ናይ ቀፃሊ ኣንፈት ብዝምልከት ኣብ ስምምዕ ክብፃሕ ኢዩ ኢለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.