Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ ታንዛኒያ ኣብ ኮሌጅ ኣዘዝቲን ስታፍን ሰራዊት ምክልኻል ዑደት ኣካይዱ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሓላፊ ወፍሪን ስልጠናን ሜጀር ጀኔራል ኢብራሂም ሚካኤልን ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ሜጀር ጄኔራል ሻባኒ ባራንጋሽን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ ታንዛኒያ ኣብ ኮሌጅ ኣዘዝቲን ስታፍን ሰራዊት ምክልኻል ዑደት ኣካይዱ።

ኣብቲ ዑደት፥ ብልሓት ምምሃር ምስትምሃር እቲ ኮሌጅን ኣብ ዝቕፅሉ ዓማውቲ ንምፍፃም ዝተትሓዙ ዛዕባታትን ዝጠመተ መብርሂ ብኣዛዚ እቲ ኮሌጅ  ብርጋዲየር ጄኔራል ሙሉጌታ ኣምባቸውን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን መብርሂ ተዋሂቡዎም።

ብርጋዲየር ጄኔራል ሙሉጌታ ኣምባቸው፥ እቲ ኮሌጅ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲን ወተሃደራዊ ስልጠናን ምስ ታንዛኒያ ብምትሕብባር ብምስራሕን ልምዲ ብምውሳድን ዘሎ ርክብ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምስግጋር ባህጊ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ሜጀር ጄኔራል ኢብራሂም ሚካሄል ብግደኦም፥ እቲ ኮሌጅ ተለዋዋጢ ዝኾነ ዓለም ለኻዊን ከባቢያዊን ስግኣታትን ቴክኖሎጂካዊ ለውጢታትን ብሳይንሳዊ በልሓት ብምትንታን ይህቦ ንዘሎ ሰልጠና ዘለዎም ናእዳ መግላፆም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዘረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.