Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኣልሸባብ ማኣሊም ኣይማን ከምዝተቐተለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኣልሸባብ ማኣሊም ኣይማን ብደገፍ ሓይሊታት ኣሜሪካ ሰራዊት ሶማሊያ ብመሰረት ዘካየዶ ወፍሪ ከምዝተቐተለ ተገሊፁ።

ማኣሊም አይማን ኣብ ሶማሊያን ከባቢኡን ዝተፈላለዩ ተግባራት ግብረ ራዕዲ ብምምራሕ ኣፈፂሙ ኢዩ ብዝብል እንትእለሽ ከምዝፀንሐ ይፍለጥ።

ብፍላይ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ኬኒያ ማንዳቤይ ወታደራዊ ምድብ ኣየር ብዝመርሖ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ኬኒያዊያንን ኣሜሪካዊያንን ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ስለዝኾነ ኣሜሪካ፥ እዚ ሰብ ዘለዎሉ ከባቢ ሓበሬታ ንዝሃበ ሰብ 10 ሚሊየን ዶላር ክኸፍል ኢየ ኢላ ነይራ።

ማኣሊም አይማን እቲ ጥምር ሰራዊት ብመሰረት ዝገበሮ ወፍሪ ከምዝተቐተለ ሚኒስትር ሓበሬታ ሶማሊያ ዳውድ ኣዌይስ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.