Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ መራሒ ሃማስ ኣብ ቴህራን ተቐቲሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ መራሒ ፖለቲካ ሃማስ ኢስማኢል ሃኒዬህ ርእሰ ከተማ ኢራን ኣብ ዝኾነት ቴህራን ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ።

ሃኒዬህን ሓደ ሓላዊኦምን ድሕሪ በዓለ ሲመት ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ኢራን መስኡድ ፔዜሽኪያን፤ ዓሪፎምሉ ኣብ ዝነበሩ ገዛ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ከምዝተቐተሉ ተሓቢሩ።

ሃማስን ኣብዮታዊ ዘብዒ ኢራንን፤ ሃኒዬህ ከምዝሞቱ ኣረጋጊፆም።

በዚ ድማ እቲ መቕተልቲ ኣመልኪቱ ምርመራ እናተገበረ ከምዝኾነ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ተወሳኺ ሓበሬታታት ካብ ምሃብ ተቖጢቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.