ሊግ ዓረብ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ዘሕለፎ ውሳነ ተቐባልነት ኣይብሉን-መንግስቲ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊግ ዓረብ ግድብ ህዳሰ ብዝመልከት ዘሕለፎ ውሳነ ተቐባልነት ኣይብሉን ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮኒኑ።
እቲ ውሳነ ሚዛናዊነት ዝጎደሎም ናብ ሓደ ወገን ዘዘንበለን ውሳነ ከምዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ መግለፂ ሂቡ።
እቲ ሊግ ቅርታ ግብፅን ሱዳንን ብምቕባል ሃናፂ ግደ ክፃወት ኢዩ ዝብል ትፅቢት እኳ እንተተገበረሉ፥ ውፅኢት ኣልቦ ነክኸውን ገይሩዎ ኢዩ ኢሉ እቲ መግለፂ።
ገድብ ህዳሰ ዓለም ለኻዊት ፖለቲካዊን ገፅታ ነክህልዎ ምግባር ወሓዚ ሩባ ኣባይ ኣብዚ ቀጠና በምትሕብባርን ብዘላቕነትን ንምጥቃም ዘኽእል መገዲ ኣይኮነን ኢሉ።
ኣባል ሃገራት ሊግ ዓረብ ኣጠቓቕማ ወሓዚ ሩባ ኣባይን ነባር ቅዋም ቅዋምን ብዝግባእ ምፍላጥ ኣለወን።
ብሚሊየን ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ካብ ድኽነት ዘውፅእ፣ ኣቕርቦት ሓይሊ፣ ማይ ውሕስነት ምግቢ እተረጋግፀሉ ፕሮጀክት ኢዩ።
ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ኣጠቐቕማ ሕጊ ማይ ብምኽባር ዝጎልሀ ጉድኣት ዘየስዕብ መሰት ተፈጥሮኣ ኢያ ተግባራዊ ገይራ ኢሉ።
መገዲ መረጋገፂ ድሕንነት ማይ ትሕብብርን ዘተን ንክኸውን ኢትዮጵያ ፅኑዕ እምነት ከምዘለዋ እወን ገሊፁ።
ኣባይ ናይ ሓባር ሃፍቲ እንበር ብተናፀል ናይ ግብፅን ሱዳንን ሃፍቲ ኣይኮነን ክብል እቲ መግለፂ ሓቢሩ።
ስለዝኾነ ሊግ ዓረብ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ዘሕለፎ ውሳነ ተቐባልነት ኣይብሉን ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።