Fana: At a Speed of Life!

ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንዝተመዛበሉ ዜጋታት 18 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገንዘብን ናውቲን ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ክልል ዓፋርን ኣምሓራን 18 ሚሊየን ብር ዝኸውን ሓገዝ ገንዘብን ናውቲን ኣተኣኻኺቡ ኣረኪቡ።

እቲ ሓገዝ ምግቢ፣ ናውቲ ቤት ዕዮ፣ ናውቲ ትምህርት፣ ዝተፈላለዩ ክዳውንቲ፣ መሕለዊ ፅሬት ደቂ ኣንስትዮ፣ ናውቲ ገዛን ሕክምናን ዘካተተ ኢዩ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ኣይተ መለሰ ኣለሙን ሓላፊ ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ኣይተ መለሰ ኣባተን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣመራርሓታት እቲ ሊግ ተረኺቦም፡፡

ኣይተ መለሰ ኣለሙ፥”መናእሰይ በቢዘበኑ ዝወሃቦም ልኡኽቶ ኣሎ፤ ናይዚ ዘበን ልኡኽቶ መናእሰይ ድማ ሃገር ምድሓን ኢዩ” ኢሎም፡፡

“ኣብዚ እዋን ንሃገርና ኣለና ብምባልኩም ልዑል ኩርዓት ይስመዓና” ክብሉ ገሊፆም፡፡

እቲ ዝተኣኻኸበ ሃፍቲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ከምዝከፋፈል ተሓቢሩ፡፡

ብዘቢብ ተኽላይ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.