ሊዮኔል ሜሲ ካብ ጉጅለ ሃገራዊት ጋንታ ርጀርንቲና ወፃእ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣርጀንቲናዊ ኮኸብ ሊዮኔል ሜሲ ብጉድኣት ምኽንያት ሃገሩ ኣብ ትገብሮም መፃረዪ ፀወታታት ፅዋዕ ዓለም ወፃእ ከምዝኾነ ተረጋጊፁ፡፡
ብመሰረት እዚ ኣርጀንቲ ምስ ብራዚልን ኡራጓይን ኣብ ትገብሮም መፃረዪ ፀወታታት ከምዘይስለፍ ተሓቢሩ፡፡
ሜሲ ትማሊ ለይቲ ንጋንትኡ ኢንተር ማያሚ 1 ሸቶ ኣብ ዘመዝገበሉ ፀወታ ኣብ ስምዒት ሕማም ከምዝነበረ ተሓቢሩ፡፡
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ሊዮኔል ስካሎኒ 26 ተፃወትቲ ፃውዒት ዝገበሩ እንትኾኑ÷ ሊዮኔል ሜሲ ኣብቲ ጉጅለ ኣይተፀምበረን፡፡
ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ዕረፍቲ ከምዝገብር ጋንትኡ ኢንተር ማያሚን ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲናን ከምዝተስማዕማዓ ተገሊፁ፡፡