Fana: At a Speed of Life!

ሊዮኔል ሜሲ ቀፃሊ ሰንበት ዝካየድ ናይ ፍፃመ ፀወታ ኣብ ፅዋዕ ዓለም ናይ መወዳእታ ፀወትኡ ከምዝኾነ ተዛሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርጀንቲናዊ ኮኸብ ሊዮኔል ሜሲ ቀፃሊ ሰንበት ዝካየድ ናይ ፍፃመ ፀወታ ኣብ ፅዋዕ ዓለም ናይ መወዳእታ ፀወትኡ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ነበር ኮኾብ ተፃዋታይ ጋንታ ባርሴሎና ንሃገሩ 171 ግዘ ዝተሰለፈ እንትኸውን÷ 96 ሸቶታት ኣመዝጊቡ።

ኣብ ፅዋዕ ዓለም መብል 11 ሸቶ ብምምዝጋብ ካብ ነበር ኮኾብ ተፃዋታይ ሃገሩ ጋብርኤል ባቲስቱታ ክብረ ወሰን ዝተረከበ ሜሲ÷ ሰንበት ኣብ ዝግበር ፀወታ ፍፃመ ፅዋዕ ዓለም መበል 172 ፀወትኡ ክገብር ኢዩ።

ሜሲ ንሚዲያ ኣርጀንቲና ዲያሪዮ ዴፖርቲቮ ኦሌ፥ “እዚ ምዕዋትን ሃገረይ ናብ ፍፃመ ከብፅሕ ምኽኣለይን ሕጉስ ኢየ” ኢሉ፡፡

ነገር ግን ዝቕፅል ፅዋዕ ዓለም ብዙሕ ዓመታት ከምዝተርፎ ዝሓበረ ሊዮኔል ሜሲ፥ ኣብ ጽዋዕ ዓለም ዝህልዎ ተሳትፎ ኣብ ዝቕፅል ሰንበት ዝግበር ናይ ፍፃመ ፀወታ ከምዝዛዘም ኣረጋጊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.