Fana: At a Speed of Life!

ሊቨርፑል ታሪኻዊት ተናሓናሒታ ምስ ዝኾነት ማንቸስተር ዩናይትድ ክትገጥም ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 20 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሊቨርፑል ኣብ መበል 14 ደረጃ ትርከብ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ሎሚ ምሸት ኣብ ሜዳኣ ኣንፊልድ ሮድ ክተተኣናግድ ኢያ፡፡

ክልቲአን ጋንታታት  65 ግዘ ተራኺበን ማንቸስተር ዩናይትድ 29 ግዘ እንትትዕወት ብኣንፃሩ ሊቨርፑል 20 ግዘ ተዓዊታ፡፡

ዝተረፉ 16 ፀወታታት ድማ ብማዕረ ውፅኢት ተዛዚሞም፡፡

ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ተኸታተልቲ ዓመታት ናብ ኣንፊልድ ኣምሪሓ ተዓዊታ ኣይትፈልጥን፡፡

ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 1፡30 ኣበ ዝካየድ ናይ ክልቲአን ጋንታታት ፀወታት ኣብ ተቓራኒ ደረጃ ብቓዓት ብምዃን ዝራኸባ እንትኾና ሊቨርፑል ብቐሊሉ ክትዕወት ከምትኽእል ግምታት ኣለዉ፡፡

ትማሊ ኣብ 2ይ ደረጃ ትርከብ ኣርሰናል ነጥቢ ብምድርባያ ሊቨርፑል ሓደ ተረፍ ፀወታ እናሃለዋ ኣፈላላይ ነጥባ ናብ ሸሞንተ ተስፈሐሉ ፅቡቕ ዕድል ፈጠሩላ ይርከብ፡፡

ኣብ ታሪኽ ፕሪሚየር ሊግ ክልቲአን ዓበይቲ ጋንታታት ሰሜን ምዕራብ እንግሊዝ ብድምት 39 ግዘ ፅዋዕ ብምዕታር ድሙቕ ታሪኽ ዘለወን እንትኾና÷ ዩናይትድ 20 ግዘ ብምዕታር ቀዳመይቲ ኢያ፡፡

ሊቨርፑል ናይዚ ዓመት ፅዋዕ ተልዕል እንተኾይና 20 ግዘ ብምዕታር ምስ ታሪኻኻ ተናሓናሒታ ክብረወሰን ክትመዓራረ ኢያ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.