Fana: At a Speed of Life!

ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ንምሕላው ናይ ህይት መስዋእትነት ንዝኸፈሉ ጀጋኑ ምስጋና ክነቕርብ ይግባእ – ኣምባሳደር ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ንምሕላው ናይ ህይት መስዋእትነት ንዝኸፈሉ ጀጋኑ ምስጋና ክነቕርብ ይግባእ” ክብሉ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀ ስላሰ ገሊፆም።

ጥምረት ዓለም ለኸ ሕብረት ኢትዮጵያ “ፃውዒት ሓደ ሚሊየን ዳያስፖራ ጉዕዞ ናብ ሃገር”ን ምስረታ ኣመልኪቱ ዘሰናደኦ ዘተ መረርበብ ሓበሩታ ትማሊ ተኻይዱ።

እቲ ዳያስፖራ ናብ ሃገር ዝገብሮ ጉዕዞ ጉዕዞ ምስጋና ከምዝኾነ ኣምባሳደር ታየ ተዛሪቦም።

“ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ንምሕላው ናይ ህይት መስዋእትነት ንዝኸፈሉ ጀጋኑ ምስጋና ክነቕርብ ይግባእ፤ ጀጋኑና ምብርትታዕን ምንኣድን የድሊ” ኢሎም ኣምባሳደር ታዬ።

“እቶም ጀጋኑ ስቓይን መከራን ተፃዊሮም ዝመፅአ መከራ ተሸኪሞም ህይቶም ገቢሮም ሃገር ኣልባ ካብ ምባል ኣድሒኖምና ኢዮም” ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፥ እዞም ጀጋኑ ወገናት ምስጋና ከምዝግበኦም ኣመልኪቶም።

ዳያስፖራ ናብ ሃገር ዝገብሮ ጉዕዞ ጉዕዞ ተስፋ ከምዝኾነን ኢትዮጵያውያን ዘብዒ ህልውና ኢትዮጵያ ምዃኖም ንዓለም ዝረአየሉ ሰናይ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብቲ ጉዕዞ ብምስታፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘየደራደሩ ምዃኖም ከርእዩ ይግባእአ ብምባል፤ እቲ ጉዕዞ ካብ ማንም ንላዕሊ ፖለቲካዊ መልእኽ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.