Fana: At a Speed of Life!

ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ንምሕላው ሎሚእውን ቆራፃትን ድሉዋትን ኢና – ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሉኣላዊነት ኢትዮጵያን ድሕንነት ህዝቢን ብዝተዋደደን ብዘተኣማምንን ኩነታት ንምሕላው ቆራፃትን ድሉዋትን ከምዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስን ገሊፆም።

“ህብር ንኩለመዳይ ሉኣላዊነት” ብዝብል መሪሕ ሓሃሳብ 3 ጳጉሜን መዓልቲ ሉኣላዊነት÷ ፖሊስ ፌዴራልን ሰራዊት ምክልኻልን ሓዊሱ ካልኦት ኣካላት መኽበርቲ ሰላም ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኸቢሩ፡፡

ኣብ ሰራዊት መክልኻል ሃገር ሓላፊ መምርሒ ወፍሪ እዚ ሰሜን ምብራቕ መበል 801 ኮር ሻለቃ መላኩ ቶላ ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ሰራዊት ድሕንት ሃገርን ህዝቢን ንምሕላው ምስ ህዝቢ እናሰርሐ ይርከብ።

”ክሳብ ህይወት መስዋእቲ ብምኽፋል ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ብዘላቕነት ንምሕላው ሎሚ እውን ቆራፃትን ድሉዋትን ኢና” ክብሉ እውን ኣፍሊጦም።

ሕብረተሰብ እውን ሓድነቱ ሓሊዩ ኣብ ጎንና ምስላፉ ብዝበለፀ ጅግንነት ንኽንላበስ ገይሩና ኢዩ ዝበሉ ሻለቃ መላኩ÷ ሎሚ መዓልቲ መዓልቲ ሉኣላዊነት ብሓባር ከኽብሩ ምኽኣሎም ንዝሐሸ ኣፈፃፅማ ወፍሪ ተበግሶ ዝፈጥር ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.