Fana: At a Speed of Life!

ሉኣላዊነት ብደምን ረሃፅን ዝሕሎ ክብሪ ኢዩ – ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሉኣላዊነት ብደምን ረሃፅን ዝሕሎ ክብሪ ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ኣብ ሳይንስ ሙዚዬም መዓልቲ ሉኣላዊነት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተሰናደአ መድረኽ መደረ ዘስምዑ ም/ቀ/ሚ ተመስገን÷ ሉኣላዊነት ብደም፤ ብረሃፅ ዝሕሎ ክብሪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

“ናፅነትን ዶብን ሃገር ከምኡ እውን ክብሪ ዜጋታት ምሕላው ዝከኣል ብደም መስዋእትነት ኢዩ” ኢሎም።

ሉኣላዊነት ፖሊሲ፣ ኢኮኖሚ፣ ፍልጠት፣ ቴክኖሎጂን በጀትን ንምኽባር ድማ ብረሃፅ ኣቢሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

“ብምዃኑ ድማ ኩልና ሓለውቲ ሉኣላዊነትና ኢናሞ ግዜና፣ ፍልጠትናን ጉልበትናን ንኩለመዳይ ሉኣላዊነት ክንጥቀመሉ ግባእ” ክብሉ ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ሉኣላዊነታ ዝተኸበረት ኮይና ንኽትነብር ብዘይ ስሰዐ ክባር ህይወቶም ንዝሃቡ፣ ደሞም ንዘፍሰሱን ኣካሎም ንዝገበሩን ጀጋኑ ምስጋና ከምዝግበኦም ኣብሪሆም።

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.