ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ክውሰዱ ዝግበኦም መፍትሒታት እንታይ እንታይ ኢዮም?
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ በቢዓውዱ ዝተፈላለዩ መፍትሒታት ምውሳድ ከምዝግባእ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ፡፡
ክውሰዱ ካብ ሞንጎ ዝግበኦም ቀንዲ ቀንዲ መፍትሒታት ድማ ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ከምዝርከቡዎም ሓበሬታ እቲ ኣገልግሎት ኣመልኪቱ፡፡
- ሰላም ምፅናዕ
- ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን በቢከባቢኦም ዘሎ ኣማራፂ ማይ ብምጥቃም ብሕብረት ስራሕቲ መስኖ ምስራሕ፤
- ዝተጀመረ ፍርያት ኢኒሼቲቭ ስርናይ ክረምቲን ሓጋይን ኣጠናኺካ ክቕፅል ምግባ፤
- ኣብ ከተማን ገፀርን ተግባራዊ እናኾ ዝርከብ ትሩፋት ሌማት ምጥንኻር፤
- ዘላቒን ዘበን ተሳጋሪን ቅድመ ምክልኻል ሓደጋ ተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ከከምከባቢኡ ምስራሕ፤
- በቢግዚኡ ብምርምርን ብሓደሽቲ ፖሊሲን ነቲ ስራሕ ምድጋፍን ምጥንኻርን፤
- ኣብቲ ጉዳይ ብኩሎም ኣማራፂታት ሰፊሕ ስራሕቲ ግንዛበ ምሃብ፤
- ኣማራፂታት ዕድላት ስራሕ ምስፋሕን ሓደሽቲ ሓሳባት ብምፍልፋል ኣብ ረብሓ ምውዓል፤
- ኣማራፂ ዕዳጋን ሜላ ምዕቛርን ምዝርጋሕ፤
- ትካላዊ ጥምረት ምጥንኻር፤
- ኣብቲ ዓውዲ ሃገር በቆል ፍልጠታት ምዝማንን ኣብ ረብሓ ምውዓልን፤
- ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ግቡእ ምላሽ ከምዝተውሃቦ ምፍታሽ ይርከቡዎም፡፡