Fana: At a Speed of Life!

ሉኣላዊነትና ሓሊና ምንባርና የኹረዐና – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

“ሉኣላዊነትና ሓሊና ምንባርና የኹረዐና። ናይ ግዝኣት ሉኣላውነት ንበይኑ ደው ከምዘይብል ግን ተረዲእና ኣለና። ሉኣላውነት ኩለ መዳይ ክኸውን ኣለዎ።
ናይ ምግቢ ሉኣላዊነት፣ ናይ ቴክኖሎጂ ሉኣላዊነት ፣ ናይ በጀት ሉኣላዊነት፣ ናይ ሃገር ሉኣላዊነት ብፅንዓት ደው ዘብሉ ኢዮም። እዞም ናይ ሉኣላውነት ዓውዲታት ንምጥንኻር ሓዱሽ ዓይነት ሃርበኝነት የድሊየና። ናይ ብሄራዊነት ሃርበኝነት።
ናይ ብሄራዊነት ሃርበኝነት ኣብ ዝተጣየሸሉ ስራሕ ኩሉ ናይ ኢትዮጵያ ኩለመዳያዊ ሉኣላዊነት ንምኽባር ናይ ጊዜ፣ ፍልጠት፣ ገንዘብን ጉልበትን መስዋእትነት ምኽፋል ኢዩ። ሃገር ብደቃ ከትህነፅ ኢያ ክትሕሎ ኢያ። “
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.