Fana: At a Speed of Life!

ሉኣላዊነታን ምዕባለኣን ዝተረጋገፀ ዴሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ምህናፅ እንኽእል ብህብር ኢዩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላም ዝነገሰላ ጠንካራ፣ ሉኣላዊነታን ምዕባለኣን ዝተረጋገፀ ዴሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ምህናፅ እንኽእል ብህብር ኢዩ ክብሉ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር መዓርግ ናይ ዴሞክራሲ ስርዓት ህንፀት ማእኸል ምትሕብባር ሓላፊን ምክትል ናይ ብልፅግና ፓርቲ ፕሬዚዳንትን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ናይቲ ፓርቲ ዋና ቤት ፅሕፈት ሓዱሽ ዓመት ምኽኒያት ብምግባር ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ልዕሊ 150 ዝኾኑ ናይ ሕብረተሰብ ክፍሊታት ድጋፍ ገይሩ።

ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ ፓርቲና ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘመዝገቦም ዓወታት ናይ ህብረ ውፅኢታት ኢዮም ኢሎም።

ህብር ንኢትዮጵያ ሓቅነት እውን ፅቡቕ ኢዩ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣተሓሳስባ፣ ብሄር፣ ቋንቋ፣ ናይ ሃይማኖት ብዙህነት መልክዓታ ገፃት፣ ፅባቐ፣ በረከታት ብኣግባቡ ምትእንጋድ ንህብር ወሳኒ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ትማሊ ነፃነትና ብደምናን ኣዕፅምትናን ምኽባር ዝኸኣልና ህብራዊ ዝኾነ ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ተደሚሩ ብሓባር ደው ብምባል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዝተፈላለዩ ናይ ውሽጢን ናይ ወፃኢን ፅዕንቶታት ብምፅዋር ናይ ሃገርና ህልውና ምሕላው ዝኸኣልና ብህብር ኢዩ ኢሎም።

ናይ ረሃፅና ውፅኢት ዝኾነ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ምዝዛም ብርኪ ምብፃሕ ዝኸኣለ ሃገራዊ ዓቕሚና ደሚርና ብህብር እንትንሰርሕ ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.