Fana: At a Speed of Life!

ለውጢ ንብረት ኣየር ብብርኪ ዓለም ልዑል ቅልውላው ጥዕና እናሰዐበ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ለውጢ ንብረት ኣየር ብብርኪ ዓለም ልዑል ቅልውላው ጥዕና እናሰዐበ ከምዝኾነ ሰብ ሞያ ኣፍሊጦም።

ውድብ ጥዕና ዓለም ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝተውፃእፅኡ 99 ሰብ ሞያ ዕላዊ ኣብ ዝገበሩዎ ውፅዕቲ መፅናዕቲ ጥዕና÷ ለውጢ ንብረት ኣየር ብብርኪ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሰባት ልዑል ፅዕንቶ ጥዕና እናሕደረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዓለም ኣብ ፈሓምን ነዳዲ ዘይቲን ፅግዕተኛ ምዃና÷ ፀገም ውሕስና ምግቢ፣ ተመሓላለፍቲን ምስ ሙቐት ዝተትሓዙ ሕማማትን ናይ ምቅላዕ ዕድል ንኽውስኽ ከምዝገበሩ እቲ ውፅኢት መፅናዕቲ ኣመልኪቱ።

ከም ውፅኢት እቲ መፅናዕቲ እንተኾይኑ÷ ኣብ ዓለም ምስ ሙቐት ተተሓሒዙ ዝፍጠር መጠን ሞት ብ2/3 ወሲኹ ኢዩ።

ምውሳኽ ሙቐትን ብኽለት ንብረት ኣየርን÷ ፀገም ልቢን መተንፈሲ ኣካላት ሓዊሱ ምፍሳስ ደም ኣብ ውሽጢ ሓንጎል ከምኡ እውን ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ ምኽንያት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.