Fana: At a Speed of Life!

ለውጢ ማይክሮ ኢኮኖሚ ብቑንፁል ዘይኮነስ ብሙሉእነት ምርኣይ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ለውጢ ማይክሮ ኢኮኖሚ ብቑንፁል ዘይኮነስ ብሙሉእነት ምርኣይ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሎሚ ንጎሆ ብዛዕባ ለውጢ ማይክሮ ኢኮኖሚ ዝጠመተ መድረኽ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ምክያዶም ኣብሪሆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)፥ ኣብቲ መድረኽ ብኣተሓሳስባ ምድማር ንልምዓት ሃገር እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ብዕምቆት መዚዝና ኣቐሚጥና ኢና ኢሎም።

ዕላማና ምርግጋፅ ምዕባለ ኢትዮጵያ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣካይዳና ድኻ ተኮር፣ ጠመተና ንፀገም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ዓቕሚ ዘይብሎም ምድጋፍ ኢዩ ኢሎም።

ውፅኢታውነት ኩሎም ስራሕቲ ለውጢና ኣብ ዝተሓባበረ ፃዕሪ መዳርግቲ ኣካላት ዘድሃቡ ኢዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እዚ ድማ ምስሳን ፍሪያት፣ ንግዲ ወፃኢን ኣታዊን ብምትሕብባር ክብ ምባል ማለት ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

ኣካላት ኣፈፀምቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ስራሕቲ ለውጢ ብዘይግባእ ዘይሕጋዊ መገዲ ንምጥቃም ብዝደሊዩ ስሱዓት ነጋዶ ስጉምቲ  ንክወስዱ ሓላፍነት ከምዝተውሃቦም ኣረጋጊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.