Fana: At a Speed of Life!

ለኣኽቲ ቡን፣ ሻሂን ቅመማ ቕመምን ተዋዲዶም ክሰርሑ ይግባእ – ሚኒስቴር ሕርሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቡን፣ ሻሂን ቅመማ ቕመምን ናብ ወፃኢ ኣብ ምልኣኽ ዝተዋፈሩ ኣካላት ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣገንዚቡ።

ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ምን ኣተገባብራ ትልሚ በጀት ዓመት 2016ን በዓል መዚ ቡንንነ ሻሂን ኢትዮጵያ÷ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣማኻሪ ኢኮኖሚ ኣምባሳደር ግርማ ብሩን ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ከምኡ እውን መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ይግምገም ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ምን ኣተገባብራ ትልሚ በጀት ዓመት 2016ን ልምዓትን ዕድጊትን ቡን፣ ሻሂን ቅመማ ቕመምን ዝምልከት ሰነድ ቀሪቡ ልዝብ ተገይሩሉ፡፡

በዓል መዚ ቡንንነ ሻሂን ኢትዮጵያ ብመሰረት ዝተውሃቦ ልኡኽቶ÷ ኣብ ፍርያትን መፍረያይነትን ዘበናዊን ፍትሓዊን ስርዓት ዕድጊት  ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ተላዒሉ፡፡

ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)፥ ናብ ወፃኢ ዝለኣኹ ፍርያታት ሕርሻ ፅሬቶም ዝተሓለወ ንኽኸውን ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ መዳርግቲ ኣካላት ብዝተዋደደን ዝተናበበን መልክዑ ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣምባሳደር ግርማ ብሩ ብግደኦም÷ ኣብቲ ዓውዲ ዝረአዩ ፀገማት ንምፍታሕ ዓይነት እቲ ፀገም ብምፍላይ መንግስቲ ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ሕርሻ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.