Fana: At a Speed of Life!

ለበዳ ቫይረስ ኮቪድ-19 ኣብ ምክልኻል ዝተርኣየ ዕሽሽታ ዋጋ እናኽፈለ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ለበዳ ቫይረስ ኮቪድ-19 ኣብ ምክልኻል ዝተርኣየ ዕሽሽታን ምዝንጋዕን ዋጋ እናኽፈለ ምዃኑ ተገሊፁ።

ገምጋም ኣፈፃፅማ ስሩዕን ክታበት ምክልኻል ኮቪድ-19 ክታበትን ብምድሃብ ካብ መላእ ክፍሊታት እታሀገር ዝመፅኡ ሓለፍቲ ቢሮ ጥዕና፣ ሓለፍቲ ርክብ ህዝቢን ኮሙዩኒኬሽንን፣ መሓዙት ኣካላትን ኣብ ጉዳይ ክታበት ምክልኻል ሕማም ለበዳ ኮቪድ እናሰርሑ ዝርከቡ ሰብ ሞያን ዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ ኣዳማ ተጀሚሩ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጄ ዱጉማ፥ እቲ ሚኒስቴር ለበዳ ኮቪድ ንምግታእን ንምቁፅፃርን ልዑል እታወት ብምምዳብ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ እናሰርሐ ከምዝነበረን ናይ ምክልኃል ክታበቱ እውን 10 ሚሊየን ንዝኾኑ ሰባት ምብፃሕ ከምዝተኸኣለን ገሊፆም።

ይኹን እምበር ሕብረተሰብ ንምክልኻል ኮቪድ ዝምከሩ መገዲታት ንደሓር ብምባሉን ልዑል ምዝንጋዕ ብምርኣዩን ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ለበዳ ብልዑል ብርኪ እናወሰኸ ምምፅ ኣብሪሆም።

እዚ ድማ ልዑል ዋጋ ዘኽፍል ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ዘለዎ ግንዛበ ንኸዕቢን ካልኦት መገዲታት ጥንቃቐን ከኽብር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እቲ መድረኽ ገምጋም ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ መዓልቲታት ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ጥንኩርን ድኹምን ጎኒታት ከምዝፍለየሉን ንዝቕፅል ስራሕ እታወት ዝርከበሉ ምዃኑ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.