Fana: At a Speed of Life!

ለበዳ ቫይረስኮሮና ናብ ሐዲሽን ሓደገኛ ኩነታትን የምርሕ ኣሎ – ውድብ ጥዕና ዓለም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ለበዳ ቫይረስኮሮና ናብ ሐዲሽን ሓደገኛ ኩነታትን የምርሕ ከምዘሎ ኣጠንቒቁ።

ዳሬክተር ጄነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ተድሮስ ኣድሓኖም ከምዝበልወዎ፥ ትማሊ ሓሙስ 150 ሺሕ ሓደሽቲ መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ተመዝጊቡ። ፍርቂ ናይቶም ዝተለኽፉ ሰባት ድማ ካብ ደቡብ ኣመሪካ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ደቡብ ኤስያን እዮም ክብሉ ገሉፆም።

ስለዝኾነ ትማሊ እቲ ዝለዓለ መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ዝተመዝገበላ መዓልቲ’ያ ክብል እቲ ትካል ሓቢሩ።

ዶክተር ቴድሮስ፥ እቲ ቫይረስ ገና ብሓያል ፍጥነት ይላባዕ ከምዘሎ ኣተሓሳቢቦም።

ሰባት ምስቲ ዘሎ ዕፅዋን ማሕበራዊ ምፍንታትን ሰልቺዩዎም ከምኡ’ውን ሃገራት ነቲ ቊጠበኣን ክኸፍታ ክህንጠያ ከምዝኽእላ ድሕሪ ምግላፅ፥ እዚ እዋን ልዑል ጥንቃቐ ዘድልዮ እዋን ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም።

ዩኒቨርሲቲ ጆን ሆብኪንስ ከምዝገለፆ፥ ብብርኪ ዓለም ዛጊድ 8 ነጥቢ 5 ሚልየን ሰባት ብቫይረስኮሮና ተለኺፎም ኣለው።

ኣስታት 457 ሽሕ ሰባት ድማ በዚ ቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም እዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.