ህፃናትን ፈልስታትን ሓደ ስለዝኾኑ ክልቲኦም ተመሳሳሊ ክንክን የድልዮም-ዶክተር ለገሰ ቱሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህፃናትን ፈልስታትን ሓደ እዮም ክልቲኦም ተመሳሳሊ ክንክን የድልዮም እዩ ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ገሊፆም።
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣመራርሓ ተፀዋዕቲ ትካላትን ክኢላታትን ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ወረዳ ሻላ ተረኺቦም ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ዶ/ር ለገስ ቱሉ “ህፃናትን ፈልስን ሓደ እዮም፣ ክልቲኦም ክንክን የድልዮም” ብምባል ሕብረተሰብ ኣብቲ ወፍሪ ዝተተኽለ ፈልሲ ንክከናኸን ኣተሓሳሲቦም።
ነበርቲ እቲ ከባቢ በቢዕለቱ ፈልስታት ብምትካል ዕለታዊ ተግባርን መዘናግዕን ምግባር ከምዘለዎ ብምሕባር፥ ነቶም ዝተተኸሉ ፈልስታት ብምክንኻንን ኣብ ፍረ ክበፅሑ ይግባእ ኢሎም።
ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ኣርሲ ኣይተ ኣሕመድ ሓጂ ብግደኦም፥ እቲ ከባብብን ዞባን ብተደጋጋሚ ድርቂ ካብ ዘጋጥሞም ወረዳታት እቲ ሓደ ምዃኑ ብምሕባር ኣብ ዝተረኸበ ኣጋጣሚ ኹሉ ፈልሲ ብምትካል ኩነታት ድርቂ ምቕያር ይግባእ ኢሎም።
ብተወሳኺ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ወረዳታት ሲራሮናን ሻላን ካብ ትምህርቲ ምቁራፅ ንዝርከቡ 11 ሽሕ ተምሃሮ 7 ሚልዮን ብር ዝግመት ናውቲ ትምህርቲ ኣበርኪቶም።
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን 16 ተፀዋዕቲ ትካላትን ትማሊ ኣብ ከተማ ሻሸመነ ኣባይቲ 35 ፅጉማት ሰባት ንምሕዳስ መደብ ምጅማሮም ክዝከር እዩ።
ብጥላሁን ይልማ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።