Fana: At a Speed of Life!

ህይወት ነበርቲ ወንጪ ዳንዲ ዘቕለለ ተንጠልሊ ድልድል

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ ህንፀት ፕሮጀክት መንደር ኢኮ ቱሪዝም ወንጪ ዳንዲ ንብዙሓት ዜጋታት ካብ ዝፈጠሮ ዕድል ስራሕ ብተወሳኺ ኣብ ዕድላት መሰረተ ልምዓትን ካልኦት ዓውዲታትን ተጠቃሚ ከምዝገበሮም ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊፆም።

ልንዓት ወንጪ ዳንዲ ናብቲ ከባቢ ካብ ሞንጎ ዘምፀኦም ብዙሓት ዓበይቲ ፕሮጀክታት 72 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ተንጠልጣሊ ድልድል ተፀራሒ ኢዩ።

“እዚ ድልድል ቅድሚ ምህናፁ ብምልኢት ማይን መልክዓ ምድሪ ኣፀጋሚ ምዃንን ተተሓሒዙ ምርኻብ ኣይንኽእልን ነይርና” ዝብሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ÷ “ሎሚ እዚ ሓቂ ተቐይሩ ኢዩ” ኢሎም።

ከይዲ ህንፀት ተንጠልጣሊ ድልድል ንመናእሰይ እቲ ከባቢ ዕድል ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነ ስግግር ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ከምዝፈጠረ እውን ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ህንፀት እቲ ተንጠልጣሊ ድልድል ዝተሳተፉ ሰብ ሙያ፥ እቲ ከባቢ በሪኽ ምዃኑ ስዒቡ እታወታት ህንፀትን ማሽነሪታትን ብቐሊሉ ናብቲ ቦታ ንምጉዕዓዝ ኣፀጋሚ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣብ ከይዲ ምልማዕ ፕሮጀክት መንደር ኢኮ ቱሪዝም ወንጪ ዳንዲ 12 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ተገሊፁ፡፡

ብመራኦል ከድር

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.