Fana: At a Speed of Life!

ህዝባዊ ሓይሊ ሰብ ኩዌት ኢትዮጵያውያን ኣብ ኩዌት ክሰርሑሉ ኣብ ዝኽእሉ ኩነታት እናሓገዘ ከምዝኾነ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ህዝባዊ ሓይሊ ሰብ ኩዌት ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ኣብ ኩዌት ምስራሕ ንኽኽእሉ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንምቅልጣፍ ድሉው ከምዝኾነ ገሊፁ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ሙሳድ ኣል ሙታሪ፣ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሰኢድ መሓመድን  ጉጅለ ልኡኾምን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሎም መገዲታት ጠሚቶም ተዛቲዮም።

ኣል ሙታሪ ኩሎም ሰራሕተኛታት ንልምዓትን ሰብኣዊ ሸቶታትን ኩዌት ምስ ትካላት መንግስቲን ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽቶታትን ንምትሕብባር ድሉው ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም።

ኣምባሳደር ሰኢድ መሓመድ ብግደኦም÷ ኣብቲ እዋን ዘተ ሰብ መዚ ኩዌት ኢትዮጵያውያን ኣብ ኩዌት ምስራሕ ንኽኽእሉ ኩነታት ኣቭ ምምትዕረራይ ንዝገበሩዎ ፃዕሪ ኣመስጊኖም፡፡

ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ዘይተሓለለ ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ምግላፆም ኩዌት ታይምስ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.