Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ጉዕዞ ብልፅግና ኣብ ጥንኩር መሰረት እናተሃነፀ ምዃኑ ዘረጋግፅ ኢዩ – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ጉዕዞ ብልፅግና ኣብ ጥንኩር መሰረት እናተሃነፀ ምዃኑ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ርእሰ ምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምሕዳር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ሎሚ መዓለቲ ዝተኻደ ህዝባዊ ሰልፊ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “ህዝቢ ጥንኩር ሃገርን መንግስቲን ንኽህልዎ ቃልሲ ኣካይዱ ኢዩ” ኢሎም፡፡

አትዮጵያ ናይ ኩሎም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ሃገር ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ብህብረብሄራዊ ሓድነት መሰል ብሄር ብሄረሰባት ዝተኸበረላ ሃገር ከምትህነፅ ገሊፆም።

ፓርቲ ብልፅግና ዝመርሖ መንግስቲ ዝድለ ሸቶ ንምዕዋት ውሕሉል ኣመራርሓ ከምዝህብ ብምሕባር፤ ህዝቢ እቲ ክልል እቲ ለውጢ ብምድጋፍ ብመስዋእትነት ዝተረኸበ ዓወት ከምዝሕሉ እውን ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

መንግስቲ እቲ ክልል ካብ ለውጢ ጀሚሩ ናይ ህዝቢ ዓወት ንምሕላውን ሕቶታት ህዝቢ ኦሮሞ መልሲ ንኽረኽቡን ብቖራፅነት እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣልዒሎም፡፡

ዝናብን በረድን ይዝነብ እምበር ኣብ መላእ ክልል ኦሮሚያ ዝተኻየደ ሰልፊ ድጋፍ ህዝቡ ንዝመረፆ መንግስቲ ዘለዎ ድጋፍ ብምርኣይ ብዝበለፀ ንኽንሰርሕ ኣበረታቲዑና ኢዩ” እውን ኢሎም፡፡

ኣብ ጎድኒ ዝተረኸበ ለውጢ ጠጠው ብምባል ጉዕዞ ምዕባለ ዕዉት ንምግባር ፀፅታ እቲ ክልል ንምርግጋፅ ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.