Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ፃውዒት ክተት ብምቕባል ልዑል ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ፃውዒት ክተት ብምቕባል ልዑል ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎ ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ ግዛቸው ሙሉነህ ኣፍሊጦም።

ኣይተ ግዛቸው፥ እቲ ማሕበረሰብ መንግስቲ እቲ ክልል ዘቕረቦ ፃውዒት ብምቕባል ሃፍቱን ንብረቱን ንዘመቻ ነክውዕል ንምሃብ፣ ከባቢኡ ንምሕላውን ተወዲቡ ናብ ግንባር ንምኽታትን ልዑል ምንቅስቓስ ይገብር ኣሎ ኢሎም።

እቲ ፃውዒት ክተት ቤት ምኽሪ ክልለ ኣምሓራ ዘውፅኦ ፃውዒት ዘካተተ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ስሩዕ ስረሐን ደው ብምባል ነቲ ህልውና ወፍሪ ዝድግፉ ስራሕቲ ጥራሕ ኣተኲረን ይሰርሓ ከምዘለዋ ሓቢሮም።

እዚ ማለት ኣብያተ ዕዮ ይዕፀዋ ዘይኮነስ ሰራሕተኛ ዕረፍቲ ምውፃእ ገዲፉ ኩሉ ሰራሕተኛ ብሰዓቱ ኣቲዩ ዝዘምት ሰራሕተኛ ንክዘምተ፣ ስንቂ ዘዳሉ ከዳሊን ስራሕቲ ፕሮፓጋንዳ ዝሰርሕ አውን ንክሰርሕ ክግበር ኢዩ ኢሎም ክብል ኢፕድ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.