Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ንሰራዊት ምክልኻል ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ንሃገሩን ንሰራዊቱን ዘለዎ ክብሪን ፍቕሪን ዘርኢ ኢዩ -ዶ/ር ቀነኣ ያደታ

ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 6፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህዝቢ ንሰራዊት ምክልኻል ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ንሃገሩን ንሰራዊቱን ዘለዎ ክብሪን ፍቕሪን ዘርኢ ከምዝኾነ ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ዶክተር ቀነኣ ያደታ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ነበርቲ ዞባ ጅማን ከተማ ጅማን ንሰራዊት ምክልኻል ዘበርከቱዎ ሓገዝ ተረኪቦም።

ኣብቲ ስነስርዓት ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ወይዘሮ ፍሬኣለም ሽባባውን ዋና ዳይሬክተር ኢንዶክትሪኔሽን ሰራዊት ምክልኻል ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማን ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም።

እቶም ነበርቲ ዞባ ጅማ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ ክሕደት ዝኾነኑ እንትኾኑ፥ 515 ሰንጋታት፣ 414 ኣባጊዕን 300 ኪሎ ግራም መዓርን ብሓፈሻ ብር 15 ሚሊየን ዝግመት ሓገፍ ገይሮም።

ብተመሳሳሊ ነበርቲ ከተማ ጅማ ንሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ልዕሊ ብር 8 ሚሊየን ዝግመት ብገንዘብን ብዓይነትን ሓገዝ ገይሮም።

ሚኒስትር ሰራዊት ምክልኻል ዶክተር ቀነኣ ያደታ፥ ነቲ ሰራዊት ሓገዝ ዝገበሩ ነበርቲ እቲ ዞባን ከተማን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ዶብ ሃገርን ሰላምን ንምሕላው ዘብዒ ጠጠው ዝበሉ ኣባላት እዚ ሰሜን ብሕወሓት ዝተፈፀሎም ክሕደት ዘሕፍር ኢዩ ኢሎም።

እቲ ሰራዊት ዝገጥሙዎ ፈተናታት ብቖራፅነት ብምሕላፍ ዓወት እናመዝገበ ከምዝኾነ እውን እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ህዝቢ ኢትጵያ ንሰራዊት ምክልኻል ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ንሃገሩን ሰራዊቱን ዘለዎ ክብሪን ፍቕሪን ዘርኢ ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ቀነኣ፥ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ጠጠው ብምባል ዘለዎ ወገናዊነት ዘረጋገፁ ኩሎም ምስጋና ኣቕሪቦም።

ብሙክታር ጠሃ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.