ህዝቢ ትግራይ ፀገማቱ ንምፍታሕ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ብሕታዊ መፍትሒኡ ሰላማዊ ኣማራፂ ኢዩ-መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ትግራይ ፀገማቱ ንምፍታሕ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ብሕታዊ መፍትሒኡ ሰላማዊ ኣማራፂ ኢዩ ክብል መንግስቲ ገሊፁ።
ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ መንግስቲ ተገዲዱ ዝኣተዎ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላም ንምዝዛም ዘኽእሉ ስጉምቲታት እንትወስድ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሩ።
ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብወረራ ካብ ዝሓዞም ኣብዝሓ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ተደፊኡ ንክወፅእ ድሕሪ ምግባር መንግስቲ ሙሉእ ዓቅሚ ሎጂስቲክስ እንተነበሮ እውን ናብ ትግራይ ካብ ምእታው ምቑጣቡ ገሊፁ።
ዘይተቛረፀ ሰብኣዊ ደገፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱ በይናዊ ደው ምባል ተዂሲ ምግባርን ምቹእ ኩነታት ምፍጣረን፣ ንሰላም በሪ ይኸፍት ኢዩ ብዝብል እሱራት ምፍታሕ፣ ዓብዪ ኮሚቴ ኣማራፂ ሰላም ብዕሉ ናብ ስራሕ ክኣቱ ምግባርን ግልፂ ኣንፈታት ምቕማጥን፣ ኣድላዪ ዝኾኑ መሰረታዊ ናውቲታት ናብ ተግራይ ንክጓዓዙ ምግባር፣ በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝዓነዉ ኣገልግሎት መውሃቢ ብምፅጋን ብሳልሳይ ወገን ስራሕ ንምጅማር ምንቅስቓስ ይግበር ከምዘሎ ገሊፁ።
ይኹን እንበር እቲ ገብረ ራዕዲ ምስ ናይ ደገ መሻርኽቱ ብምዃን ኲናት ንምቕፃል ልዑል ድልየት የርኢ ከምዝነበረ ገሊፁ።
ክባ ክንሰብር ኢና፣ ብቕልፅምና ነስዕር፣ መሬት ተግራይ ተወሪሩ፣ ክነልቅቕ ኢና ወዘተ ብዝብል ፈከራ ብምዕጃብ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ ትንኮያታት እንትገብር ፀኒሑ ኢሉ። ብሸነኽ ምዕራብ ብተደጋጋሚ ፈቲኖም ስዕረት ብምጉልባብ ተመሊሶም ኢዮም ክብል አወን ገሊፁ።
ኣብ ደቡብ ትግራይ ተደጋጋሚ ፈተነ እንተገበሩ እውን መንግስቲ እቲ ፈተነ እናፍሸለ ቀንዲ መፍትሒ መገዲ ሰላም ኢዩ ብዝብል ጉዳይ ንከይበኣኣስ ገይሩ ኢዩ ኢሉ።
ይኹን እንበር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብመንግስቲ ዝቐረቡሉ ብዙሓት ኣማራፅታት ሰላም ንጎኒ ብምግዳፍ፥ ኣብዚ ሰሙን አንትፍፅሞ ዝነበረ ፅሕተራ ሎሚ ንጎሆ ኣብ ግንባር ምብራቕ ኣንፈታት ቢሶበር፣ ዞብልን ተኩለሽን ካብ ንጎሁ 11 ሰዓት ጀሚሩ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።
እቲ ግብረ ራዕዲ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ተኺሲ ደው ምባል ብዕሊ ከምዘፍረሶ እውን ተዛሪቡ።
ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ይኹን ነዚ ስዒቡ ዘውፅኦ መግለፂ ኣቐዲሙ ንፅሕተራ እንትዳሎ ከምዝነበረ መርኣያ ኢዩ ኢሉ።
ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን መላእ ሓይሊታት ፀፅታን በቲ ግብረ ራዕዲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዝተዋደደ መገዲ ብዓወት ይምክትዎ ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታት ካብቲ ግብረ ራዕዲ ንምሕላው ኩሉ ሓይሊታት ፀፅታ ብተዳሎ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ጭጉራፍ ባዕላ ወቒዓ ባዕላ ተእዊ ከምዝበሃል ቀዲሙ ብዝወነንዎ ስኑዕ ፕሮፓጋንዳ ባዕሎም ተንኲዮም ባዕሎም እንተእውዩ ከምዘለዉ ድማ ገሊፁ።
ንሰላም ኢዱ ዝዝርገሐ መንግስቲ ብሓሶት ብምኽሳስ “እቲ ድርድር ኣቐዲሙ ፈሺሉ ኢዩ” ብዝብል ንዝተፈላለዩ ወገናት እቲ ኲናት ከምዘይተርፍ እንትግበሩ ዝፀንሑ ምልዕዓላት ብምጥንኻር መንእሰይ ትግራይ ዳግም ከሳውሩ ብዕሊ ብምእዋጅ ናብ ኲናት ይለዓሉ ከምዘለዉ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።
ኣብቲ መግለፂ፥ ማሕበረሰብ ዓለም መንእሰይ ትግራይ ንምውዳእ ህወሐት ዝገብሮ ዘሎ ምልዕዓል ኲናት ደው ንከበል ጠንካሪ ድፍኢት ክገበር ከምዘለዎ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ካብ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝስንዘሩ መጥቃዕቲታት ንምምካተን ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ግልፂ ዕላማ ዝሓዘ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ፈተና ጥፍኣቱ ንምምካንን ብሓባር ደው ንክብሉ መንግስቲ ፀዊዑ።
ሕቶ ኢትዮጵያዊያን መፍትሒ ክረክብ ዝኽእል ብሰለማዊ መገዲ ምዃኑ ብምግንዛብ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ኣማራፂ ሰላም ፈላማይ መፈትሒ ከምዝኾነ መንግስቲ ዘለዎ ፅኑዕ እምነት ገሊፁ።
ይኹን እንበር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብፅሕተራ እንተደፊኡ፣ መንግስቲ ሃገር ናይ ምድሓን ሕጋዊ፣ ታሪኻዊን ሞራላዊን ግድነት ስለዘለዎ ከምኡውን እቲ ጉጅለ ራዕዲ ይፍቶ ይፅላእ ናብ ኣማራፂ ሰላም ንክመፅእ ንምግባር ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድ ኢዩ ኢሉ።
እዚ ንምፍፃም ድማ መነገስቲን መላእ ሓይሊታት ፀፅታን ምስ ሙሉእ ብቕዓቶምን ቅዋሞምን ኣብ ተጠንቀቕ ከምዘለዉ ኣረጋጊፁ።