Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ትግራይ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ንትርፊ ፖለቲካ ክብል ክገብሮ ካብ ዝኽእል ጥፍኣት ክጥንቀቕ ይግባእ- ትዴፓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህዝቢ ትግራይ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ንትርፊ ፖለቲካ ክብል ክገብሮ ካብ ዝኽእል ጥፍኣት ክጥንቀቕ ይግባእ ክብል ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ትግራይ(ትዴፓ) ገሊፁ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ትዴፓ ኣይተ ሙሉብርሃን ሃይሌ፥ ናይቲ ጁንታ ከሓዲ ጉጅለ ትርፊ ፖለቲካ ንምርካብ ዝፈጥሮም ሴራታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጥፍኣትን ጉድኣትን ከብፅሕ ከምዝኽእል ተዛሪቦም።

ጉጅለ ህወሓት ካብ ኣመፃፅእኡ ጀሚሩ ብሴራ ዝፍለጥ፣ ኣብ ልዕሊ ኣጋራት ቃልሲ ይኹን ደገፍቲ ስጉምቲ ንምውሳድ ዘይርህርህ ምዃኑ ይፍለጥ ኢዩ እውን ኢሎም።

እቲ ጁንታ ሐዚ ይስዓር ብምህላዉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝሓዞ ሴራ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ጥፍኣት ከብፅሕ ስለ ዝኽእል ጥንቃቐ የድሊ ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዉ ቅርስታት፣ ትካላት ሃይማኖትን ሰባት ኣብ ዝተኣኻኸብሉ ከባቢታን ጥፍኣት ብምብፃሕ ካሊእ ኣካል ከምዝገበሮ ንምምሳል ፃዕሪ ስለ ዝገብር ህዝቢ ብጥንቃቐ ክከታተሎ ይግባእ ኢሎም።

እቲ ወራሪ ጉጅለ ዶብ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዘኽብር ዝነበረ እዝ ሰሜን ጥቕዓት ከምዝፈፀመ ነቲ ከሓዲ መርኣዪ ኢዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

መንግስቲ ድሕንነት ዜጋታት ንምሕላው ክብል እቲ ዘራፊ ወሲዱዎም ዝነበሩ ሮኬታት ምምካኑ ፅቡቕ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ሙሉብርሃን፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ካሊእ ጥፍኣት ንከየብፅሕ ምጥንቃቕ ከምዘድሊ ሓቢሮም።

እቲ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝፀንሓሉ ዓመታት ንህዝቢ ትግራይ ዘበርከቶ ነገር ዘይብሉን ንባዕሉ ረብሓ ጥራሕ ዝሰርሕ ዝነበረን ምዃኑ እወን ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጁንታ ካብ ምውጋድ ወፃእ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምጉዳእ ይኹን ናይ ምጥቃ¨ዕላማ ከምዘይብሉ ህዝቢ ክፈልጥ ይግባእ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.