Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ትግራይ ዝተፈላለዩ ለበዳ ሕማማት እንትመፅኡ ናይ ባዕሉ ኣወንታዊ ልምዲ ተጠቒሙ ናይ ምምካት ተኽእሎ ኣለዎ – መንግስቲ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህዝቢ ትግራይ ዝተፈላለዩ ለበዳ ሕማማት እንትመፅእ ናይ ባዕሉ ኣወንታዊ ልምዲ ተጠቒሙ ምምካት ከምዝኽእል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ቢሮ ኣብ ዘውፀኦ ሳምንታዊ መልእኽቲ፥ “ፃህያይ ክጅምር ከሎ-ቶሎ ኢልካ ንቐሎ!!” ዝብል ብሂል ወለድና ጨቢጥና ኩሎም ዓይነት መከላኸሊ ሜላታት፣ ዕለታዊ መምርሒና ጌርና፣ ቫይረስ ኮሮና ሓቢርና ንመክት ክብል ፀዊዑ።

ህዝቢ ትግራይ ከምዙይ ዓይነት ለበዳ እንትመፅእ ናይ ባዕሉ ኣወንታዊ ልምዲ ብምጥቃም ምምካት ከምዝኽእል ዝገለፀ እቲ መልእኽቲ፥ ከም ጨለውታን ንፍዮን ዝበሉ ለበዳ ሕማማት ኣብ ዘጋጠሙሉ እዋን ሕድሕዱ ንከይለኻኸም ዘኻዕበቶ ኣካላውን ማሕበራውን ምርሕሓቕ ኣሎ ኢሉ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ መላእ ዓለም እናተላበደ ዝርከብ ሕማም ቫይረስ ኮረና ሱር እንተይሰደደ ብገንኡ ምክልኻል ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

“ፃህያይ ክጅምር ከሎ-ቶሎ ኢልካ ንቐሎ!!”

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ 1 ሚያዝያ 2012 ዓ/ም፣ ኣብ ዘካየዶ፣ መበል 5ይ ዘበን 6ይ ህፁፅ ጉባኤኡ፣ ንዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ኣፅዲቑ ኣሎ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ፣ ስራሕ ፈፃሚት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ኮቪድ 19 ንምክልኻል፣ ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ሰሙናት፣ ተግባራዊ ዝገበሮ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ቑፅሪ 1/2012 ዓ/ም፣ ብመሰረት ዓንቀፅ 103፣ ንኡስ ዓንቀፅ /2/ን፣ ንኡስ ዓንቀፅ 49 ንኡስ ዓንቀፅ /3/ን ፊደል /ኸ/ ዝተመሓየሸ፣ ሕገ-መንግስቲ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መርሚሩ፣ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ ኣሎ፡፡

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ነዚ ኣዋጅ ዘፅደቖ፣ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ህዝብና ካብ ዓለምለኻዊ ተላባዲ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ናይ ምክልኻልን ምድሓንን ዝለዓለ ሓላፍነትን ግዴታን ስለዘለዎ እዩ፡፡ ብምዃኑ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ኣብ ስራሕ ብዘለዉ ስሩዕ ሕግታት ተጠቒሙ ህዝቢ፣ ካብ፣ ዓለምለኸ ተላባዳይ ሕማም ኮሮና ንምክልኻል ብዘይምኽኣሉ፣ ከምኡ እውን እቲ ሕማም ኣብ ሂወት ደቂ ሰባት ዘብፀሖ ዘሎ ጉድኣት እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ጭቡጣት መረዳእታት መርሚሩ ነቲ ኣዋጅ ኣፅዲቑ ኣሎ፡፡

ኣብዚ ዘለናሉ እዋን፣ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምምካት፣ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ጥራሕ ኣይኮነን ኣዋጅ ኣውፂኡ፡፡ ክሳብ ሎሚ፣ ልዕሊ 70፣ ዘይማዕበላን ዝማዕበላን ሃገራት፣ኣዋጃት ህፁፅ እዋን ኣውፂኤን፣ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ዝተፈላለየ ፃዕሪታት ይገብራ ኣለዋ፡፡ መንግስቲ ትግራይ ሓዊስካ ኩለን ሃገራት ኣዋጅ ዘውፃኣ፣ ኮሮና ቫይረስ፣ ብ10 ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ይቐትልን ከቢድ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው የስዕብ ብምህላውን፣ ስፍሓት ዝርግሕኡ ድማ ይውስኽ ስለዘሎን እዩ፡፡

ብምዃኑ ኩነታት ኮቪድ-19፣ በብሰዓቱ እናተኸታተለ፣ ንመላእ ዓለም ዘቃልሕ ዘሎ ጆሃንስ ሆፕኪንስ ዩንቨርስቲ ኦፍ መዲሲን፣ ካብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዓት ዓለም ኣተኣኻኺቡ፣ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ማለት ክሳብ 2 ማዝያ 2012 ዓ/ም፣ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ህዝብታት፣ ብኮሮና ቫይረስ ከምዝተትሓዙ፣ ልዕሊ 96 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት፣ ድማ በቲ ሕማም ምሟቶም ገሊፁ ኣሎ፡፡ 608 ኣፍሪካውያን ከምዝሞቱን፣ 12 ሽሕ ድማ ግዳይ እቲ ቫይረስ ከምዝኾኑ ድማ እቲ ዩንቨርስቲ ገሊፁ ኣሎ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ድማ 65 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ፣ ኽልተ ድማ ከምዝሞቱ ሚኒስተር ጥዕና ሃገርና ገሊፁ ኣሎ፡፡ ሚኒስተር ጥዕና ሃገርና ዝግልፆ ዘሎ ቑፅሪ ጥራሕ ድዩ? ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል እዩ? ኣብዚ ንሕድሕድና ዘገድሰና ቐንዲ ጉዳይ እቲ ዝግለፅ ዘሎ ቑፅሪ ውሒዱ፣ በዚሑ ዘይኮነስ፣ ሕማም ቫይረስ ኮሮና፣ ድርኩኺትና ኣንኳሕኺሑ፣ ኣብ ጓጓና ኣትዩ ዘሎ ምዃኑ እዩ ዘተሓሳስበና፡፡ ምኽንያቱም ኣብ ቀረባና ዘለዉ ጎሮባብቲ ሃገራትን ክልላትን እቲ ሕማም ኣትዩዎም ኣሎ፡፡ ብኣውርኡ ዘተሓሳስበና ጉዳይ እቲ ሕማም ኣብ ትግራይና ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘሎ ብግልፂ ዘይተፈለጠ ምዃኑ እዩ፡፡ ብምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ብ 10 ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብኣየርን መኪናን ናብ ትግራይና ኣትዮም እዮም፡፡ ኣብ ትግራይና እንነብር እውን እንተኾነ ሕድሕድና ስለዘይተመርመርና ኮሮና ቫይረስ ምእታዉ ዘይምእታዉ ዝፍለጥ ነገር የለን፡፡ ስለዝኾነ ኩነታትና ብንፁር ንምፍላጥ ተባሂሉ እቲ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ፣ ንቀፃሊ 3 /ሰለስተ/ ኣዋርሕ ተግባራዊ ክኸውን ከምዘለዎ ኩሉ ክርድኦ ይግባእ፡፡

ዓለምለኸ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና፣ ኣብ ደቂ ሰባት፣ ካብ ዘብፅሖ ዘሎ ህልቂት፣ ኣብ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ሰፍ ዘይብል ክሳራን ዕንወትን የስዕብ ኣሎ። ስለዝኾነ ዓለምና ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ አእቲዋ ኣሎ፡፡ ስለዙይ፣ ክሳብ ሕዚ ዓለምና ልዕሊ 8 ትሪልዮን ዶላር፣ ኢኮኖሚያዊ ክሳራ ከምዝበፅሓ ኣይ ኤም ኤፍ ገሊፁ ኣሎ፡፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2020-2021፣ ኣብ ዘሎ እዋን ቀጥታ ኢንቨስትሜንት ወፃኢ ካብ 30 ሚእታዊ ክሳብ 40ሚእታዊ ከምዘንቆልቁል፣ ትካል ዓለምለኸ ፋይናንስ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ፡፡ ኣይ ኤም ኤፍ ብግዲኡ፣ ብቐንዱ፣ ኣካላዊን፣ ማሕበራዊ፣ ርሕቐት ተግባራዊ፣ ካብ ዘይገበራ ሃገራት፣ ኣፍሪካ፣ ኤስያን ላቲን ኣሜሪካን፣ 100 ቢልዮን ዶላር ኢንቨስት ዝገበሩ ሰብ ሃፍቲ /ኢንቨስተራት/ ካፒታሎምን ትካሎምን ነቒሎም ናብ ካሊእ ወሲዶምዎ ኣለዉ፡፡ ስለዝኾነ ብምኽንያት ዓለምለኸ ቫይረስ ኮሮና ልዕሊ 195 ሚልዮን ህዝቢ፣ ንስራሕ ስእነት ከምእተቓልዐ፣ ዓለምና ድማ ኣብቶም ዝሓለፉ 30 ዓመታት ሪኣቶ ብዘይትፈልጥ ኣገባብ፣ እቲ ሕዚ ዘሎ መጠን ድኽነት ካብ 400 ሚልዮን ክሳብ 600 ሚልዮን ህዝብታት፣ ከምዝውስኽ ፀብፃባት፣ ሕቡራት መንግስታት ዕላዊ ገይሮም ኣለዉ፡፡

ፌዴራል መንግስቲ ተቖፃፂሩ ዘሎ ሓይሊ ስልጣን፣ ካብ ዝሓዘሉ ፅባሕ ጀሚሩ፣ ኣብዞም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ሰላምን ምርግጋእን ሓሪምዋ ዘሎን፣ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ኩነታታ ድማ ብብሰዓቱ እናንቆልቆለ ኣብ ጫፍ ገደል በፂሓ ዘላን፣ ብሓፂሩ ካብ ጠቕላላ ዓመታዊ ኣታዊኣ፣ 58 ሚእታዊ ዕዳ ወፃኢ ተሸኪማ ዘላ፣ ብድማር ብር 97.1 ቢልዮን ጉድለት በጀት፣ ዘለዋ ሃገርና ኢትዮጵያ፣ ቫይረስ ኮሮና ክንደየናይ ከምዝሃስያን፣ ማንም ክግምቶ ዘይኽእል ቅልውላው ከምዘስዕበላን ንማንም ዝሕባእ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ኣካል ዓለም ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ፣ እውን በቲ ኣብ ዓለምና ዝበፅሕ ዘሎ ፀገም፣ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ተጠቃዓይ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብ ግንባሮም ተገቲሩ፣ ዘንፀላሊ ዘሎ ሓደጋ፣ ቫይረስ ኮሮና ንምምካት ዓቕሞም፣ ፀንቂቖም እቲ ወፂኡ ዘሎ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ፣ ብጥቡቕ ድስፕሊን ተግባራዊ ካብ ምግባር ካልእ መማረፂ የብሎምን፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 14 መዓልትታት፣ ሓረስታይና፣ ዝበዝሕ ልምዓታዊ ሰብ ሃፍትና ፣ሕጋዊ ነጋዶና፣ መንእሰይና፣ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ንምትግባር ተረባሪቦም፡፡ መናእሰይና፣ ካብ ጅብኦም ገንዘብ ኣውፂኦም ንፅጉማት እኽለማይን ኣልባሳትን ለጊሶም፡፡ ሰብ ሃፍትና፣ እውን፣ ገንዘብን ዝተፈላለዩ ንዋትን ኣወፍዮም፡፡ ዝበዝሑ መካረይቲ ገዛ፣ ካብ ተኻራያይ ገንዘብ ኣይንቕበልን፣ ክራይ ሓደ ወርሒ ይትረፈና ኢሎም፡፡ ሓለፍትን ሰራሕተኛታት ባንኪ ንግዲ ኢ/ያ፣ ጨንፈር ዲስትሪክት መቐለ ድማ፣ ካብ መሃየኦም፣ ልዕሊ ብር 2.2 ሚልዮን ኣወፊዮም፡፡ ብድማር ዝተፈላለዩ መድረግቲ ኣካላት ዝከኣሎም ይገብሩ ኣለዉ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ፣ ኣጆኪ ትግራይና፣ ኣለና ደቅኺ ኢሎም፣ ህዝብና ከይፅገም ገንዘቦም፣ ፍልጠቶም፣ ጉልበቶም፣ ጊዜኦም ንዘወፈዩ ኩሎም ደቂ ትግራይ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ብሽም ህዝብና ዘሎዎ ክብሪ እንትገልፅ፣ ካልኦት፣ እውን ሰናይ ተግባር እዞም ግድሳት ወገናት ክስዕቡ ፃውዒቱ የቕርብ፡፡

ብኣንፃሩ፣ ፀገም እንትፍጠር፣ ካርዲ ዕግርግር መዚዞም፣ ኣብ ህዝቢ ቑማር ዝፃወቱ ከዳዓት፣ ጥልመት ዝተመልኦ እከይ ተግባሮም፣ ካብ ምፍፃም ዓዲ ኣይውዕሉን፡፡ ገለ ገሊኦም ጠላማት ሕሉፍ ሓሊፉዎም፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ህዝብና ንምድሓን ዝወሰንዎም ውሳነታት፣ ከይትግብሩን፣ ብሓፈሻ ፃዕርታት ኣቦታት መራሕቲ ሃይማኖት ሰናይ ምንቅስቓሳት፣ ዝሽርሽሩ ኣመንቲ ብምድንጋር፣ ሕቡእ ፖለቲካዊ ኣጀንደኦም ተግባራዊ ንምግባር ቀትርን ለይትን ውጥም ቅልቅል ይብሉ ኣለው፡፡ እዞም ጠላማት ክሳብ ሕዚ መንግስቲ ትግራይ ስጉምቲ ዘይወሰደሎም ስለዘይተፈለጡ ኣይኮነን፡፡ እንታይ ዳኣ፣ ብዘይምርድዳእ ቑፅሩ ዘይንዓቕ ዝተደናገረ ሰብ ስለዘሎ፣ ኣስተምህሮ ከቐድም ስለዝበለ ጥራሕ ምዃኑ ግልፂ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ህዝብና ተሸጒጦም ካብዞም ከዳዓት ዘይንእስ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፣ ዝተፈላለዩ ሜላታት እናቐያየሩ በብሰዓቱ ጥልመት ዝፍፅሙ ደለልትን ነጋዶን እውን ኣለው፡፡ እዚኦም ብዘይካ ጅብኦም ምምላእ ካልአ ዘይረእዮም፣ ህዝብና ሰንሰን ዘበለ ተግባራት ይፍፅሙ ኣለው፡፡ ንኣብነት ካብ ድሮ ምእዋጅ፣ ህፁፅ እዋን ጀሚሮም፣ ኣብ ኩሎም ሸቐጣትን፣ ጥረምረታትን፣ ዘይርትዓውን፣ ዘይሕጋውን፣ ወሰኽ ዋጋ ገይሮም፣ ህዝብና፣ ናብ ጭንቀትን ፀበባን ክኣትው ገይሮም ኣለዉ፡፡ እንተኾነ ግና ኣብዞም ብሽም ሃይማኖት ዝሽቅጡ ኣካላት፣ ከምኡ እውን ደለልትን ስሱዓት ነጋዶን መንግስቲ ትግራይ ብመሰረት ህፁፅ ኣዋጅ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኩሉ ክፈልጥ ይግባእ፡፡

ኣብ መወዳኣታ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዘውፀአ፣ ኣብ ህዝብና ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ኣብ ሕድሕድ ዜጋና ዝተፈላለዩ ፀገማት ከም ዘጋጥሙ ብዘይምርዳአ ኣይኮነን፡፡ መንግስቲ ትግራይ፣ ሽግራት ጎደና ሓደርን፣ የማነ ፀጋም ተጓይዮም ዕለታዊ ናብርኦም ዝሽፍኑ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ወገናት ሓዊስካ ፀገም ህዝብና ብዝርዝርን ብእርይ ቁፅርን ኣንዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ፤ ይኹን ደኣ’ምበር እቲ ቤት ምኽሪ ዘለናሉ ኩነታት፣ ንህዝቢ ትግራይ ጉዳይ ሞትን ሕየትን፣ ማለት እውን መንነትን ወለዶን ናይ ምቕፃልን ዘይምቕፃልን ፈተና ስለዘጋጠመ፣ ንህዝብናን ክልልናን፣ ንሓፂር እዋን ዝተወሰነ መስዋእቲ ከፊልና፣ ህይወት ህዝቢ ትግራይ ምድሓን እቲ ዝበለፀ መፍትሒ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ተግባራዊ ምግባር ስለዝኾነ ጥራሕ እዩ እቲ፣ ኣዋጅ ኣፅዲቑ ዘሎ፡፡ ስለዚ ድምፁ ኣጥፊኡ ሰላሕ ኢሉ ኣብ ጓጓ ህዝብና ዘሎ ሕማም ቫይረስ ኮረና ሱር ከይሰደደ ብገንኡ እንተሎ ማለት ህዝቢ ትግራይ ከምዙይ ዓይነት ለበዳ እንትመፅእ ናይ ባዕሉ ኣወንታዊ ልምዲ ተጠቒሙ ይምክት እዩ፡፡ ንኣብነት ከም ጨለውታን ንፍዮን ዝኣመሰሉ እንትረኣይ ህዝብና ሕድሕዱ ከይለኻኸም፣ ዘኻዕበቶ፣ ኣካላውን ማሕበራውን ምርሕሓቕ ኣሎ፡፡ ኣብ ቀብሪ ዘይምርካብ ልምዲ እውን ኣለዎ እዩ፡፡ እዚ ተግባር ኣብዚ እዋን በዓል ጥልያን ተግባራዊ ይገብርኦ ኣለዋ፡፡ ስለዝኾነ እቲ ዝፀንሐ ኣወንታዊ ልምድታት ምርሕሓቕ፣ ህዝብና፣ ተግባራዊ ክንገብሮ ግቡእ እዩ፡፡ ብሓፂሩ “ፃህያይ ክጅምር ከሎ- ቶሎ ኢልኻ ንቐሎ” ዝብል ብሂል ወለድና ጨቢጥና ኩሎም ዓይነት መከላኸሊ ሜላታት፣ ዕለታዊ መምርሒና ጌርና፣ ቫይረስ ኮሮና ሓቢርና ንመክት፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.