Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ትግራይ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ሰላሙ ንኽሕሉ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ መወዳእተኦም ንኽበፅሑ ህዝቢ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ሰላሙ ንኽሕሉ ርእሰምምሕዳ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ፀዊዖም፡፡

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ካብ ትግራይ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ንህዝቢ ምስ ዝተወከሉ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ኣብዚ እዋን ቀንዲ ዕላማ እቲ ዘተ “ኣብቲ ክልል ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብኸመይ ምዝዛም ከምዝግባእ ብምዝርራብ መፍትሒ ሓሳባት ንምቕማጥ ከምዝኾ ኣብሪሆም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብማንም እዋን ንላዕሊ ሰላምን ሓድነትን የድልዮ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፥ በዚ ድማ ህዝቢ እቲ ክልል ተግባራት ልምዓት እናወገነ ሰላሙን ሓድነቱን ክሕሉ ከምዝግበኦ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ሕዝቢ ዝጀመሮም ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ጫፍ ከብፅሕ ይግበኦ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.