Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ትግራይ ንኣሽሓት ዓመታት ስልጣነታት ዝሃነፀ ህዝቢ እዩ – ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ ንህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት መግለፂ ቅዋም ዘርጊሑ።
 
እቲ ፎሮም ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ፥ ህዝቢ ትግራይ ንኣሽሓት ዓመታት ስልጣነታት ዝሃነፀ ህዝቢ እዩ ኢሉ።
 
ኣብ መዋእል ህዝቢ ትግራይ ብዙሓት ዘኹርዑ ታሪኻት ዋላ ይሃልዉ ህልውንኡ ዝፈታተኑ ተፃብኦታት እውን ኣይተፈለይዎን ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ተፃብኦታት እንትገጥምዎ ተበቲኑ ክፈትሖም ዝገበሮ ፃዕሪ ናብ ዝገደደ ሓደጋ እንተእትዎ፤ ተወዲቡን ሰሚሩን ኣብ ዝተቃለሰሎም እዋናት ድማ ስዒሩ ታሪኹ ቀይሩ እዩ ብምባል ገሊፁ።
 
ህዝቢ ትግራይ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት፣ ተላበድቲ ሕማማትን ተኸታተልቲ ኩናትን ብተደጋጋሚ ፈቲኖሞ እዮም።
 
ፀገማት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ብሓባር ናይ ምምካትን ተናቢቡ ናይ ምስራሕ፣ ምጥርናፍን ምትሕልላይን መግለፅታቱ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሁ።
 
ስለዝኾነ እዚ ሐዚ ገጢምዎ ዘሎ ዓለም ዘንበርከኸ ተላባዲ ሕማም ኮቪድ 19 ቀዲሙ ምክልኻል ትኽክለኛ ኣንፈት ብምዃኑ ንተፈፃምነቱ ከም ህዝቢ ሓደ ኾይኑ ክንቀሳቀስ ናይ ግድን ይኸውን ክብል ሓቢሩ።
 
እንተዘይኾይኑ እቲ ሕማም ብዘይ ቁፅፅር ኣብ ትግራይ እንተኣትዩ ከምዚ ዓይነት ለበዳ ናይ ምሕካም ዓቕምና ኣዝዩ ትሑት ስለዝኾነ ብዙሕ ኽሳራ ከብፅሐልና ተኽእሎ ኣለዎ ድማ ኢሉ።
 
“ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ ንህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ኣንፃር ህልውናን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንዝመፅአ ሓደጋ ኣባላት እዚ ፎረም ዝኾና ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ ብጥሙር ቅልፅም ክከላኸላ ቃልኪዳን ዝኣተዋሉ ፎረም እዩ” ዝበለ እቲ መግለፂ፥ በዚ መዳይ ነዚ ተላባዲ ሕማም ንምክልኻል ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ ዘውፅኦ ህፁፅ ግዘ ኣዋጅን ነዚ መሰረት ጌሩ ዝሰርሖም ስራሕትን እቲ ፎረም ከም ዝድግፎ ሓቢሩ።
 
ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ እቲ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ በብእዋኑ እናገምገመ ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ብምፍታሕ እቲ ተላባዲ ሕማም ዝጠልቦ ሳይንሳዊ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እውን ፀዊዑ።
 
ህዝቢ ትግራይ ድማ ብመንግስቲ ዝወሃቦ ሓበሬታ ብጥቡቕ ዲሲፕሊን ብምክትታልን ኣብ ተግባር ብምውዓልን ከም ህዝቢ ተደጋጊፉን ተሓሳሲቡን ነቲ ገጢሙና ዘሎ ተላባዲ ሕማም ብምክልኻል ሎሚ እውን ከምቲ ልሙድ ታሪኽ ክሰርሕ ኣተሓሳሲቡ።
 
ፎረም ውድባትን ማሕበራትን ትግራይ ንህልውናን ድሕንነትን ህዝብና ቀንዲ ዕማምኡ ምውሓስ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾነ ነቲ ተላባዲ ሕማም ኣብ ምክልኻል ዝግበር ፃዕሪ ኹሉ ምስ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ብምዃን እጃሙ ከምዘወፊ ድማ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣረጋጊፁ።
 
ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
 
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
 
https://t.me/tigrignafana
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.