Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ትግራይ ብመስዋእትኻ ሓብሒብኻ ኣብ ለፅናሕኻያ ሃገር ተኸቢርኻ ማሕበራዊ ፍትሕይ ዴሞክራሲይ ክትቋደስ ብሓዱሽ መንፈስይ ወነይ ልቐፃሊ ለውጢ ክትላዓል ንፅውዕ-ፓርቲ ብልፅግና ክልል ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ክልል ትግራይ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ መግለፂ ሂቡ።
 
ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
 
ዝተኸበርኻ ህዝቢ ትግራይ፤ ዝተኸበርኻ መንእሰይ ትግራይ!
 
እንሆ ካብቱ ድሙቕ ታሪኽካ፣ ሓቀኛ ስነ-ልቦናኻ ኢሉ’ውን ካብቱ ጀጋኑ ደቅኻ ዝገበርኻሉ ዕላማ-ቓልስኻ ብተፃራሪ ብምኻድ፤ ካብ ንምእማኑ ዘፀግም ክሕደት ናብ ዓይነ-መርፍኡ ዝጠፈኦ ዕብደት በይኑ ክነጉድ ዕልምልም ዝጠፈአ ዘርኣዊ፣ ጨቋኒ፣ በዝባዝን ባዕዳውን ጉጅለ ህወሓት ሓራ ወፂኻ ናይ ተስፋ አየር ምትንፋስ ብምጅማርኻ እንኳዕ ደስ በለካ፡፡
 
ጉጅለ ክሕደት ህወሓት ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ኾነ ኣብ ታሪኽ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ እስካብ ሐዚ ካብ ዝተርአዩ ኣዕነውቲ፣ ከፋፈልትን ህዝባዊ ሓላፍነት ዝጎደሎምን ጉጅለታት ኹሎም እቱ ዝኸፍአ ምዃኑ ክተስተውዕል፣ ቅሬታኻ ክትገልፅ፣ ጠለባት ለውጥኻ ክተንፀባርቕን ብተግባር ክትቃለስን ፀኒሕኻ ኢኻ፡፡
 
እዙ ጉጅለ ዕንወት ህዝባዊ ዕላማ ብምዝንጋዕን ብምንዓቕን ብመንደር፣ ብቑሸትን ብፀቢብ ኔትዎርክን ዝተኣሳሰረ ግላዊ ረብሕኡ ጥራሕ ንምሕላው ክብል ኽቡር ታሪኽ፣ ስም፣ ዝና፣ ሰላም፣ ድሕንነት፣ ፍትሓዊ ተረባሕነትን ሃገራዊ ሓድነትን ህዝቢ ትግራይ ሒዙ ገደል ንምእታው ዘይፈፀሞ እከይ ተግባር ዘይፈንቀሎ እምኒ ኽፋእ ኣይነበረን፡፡
 
ስለልኾነ ወናንይ ፍትሓዊ ተጠቃምይ እዙ ጉዕዞ ሓዱሽ ምዕራፍ እስኻ ባዓልኻይ ደቅኻይ ምዃንኻ ተረዲእኻ ኣብታ ብቐዳምነት ልፈጠርኻያይ ምስ ኹሎም ኣሕዋት ህዝብታት ብምዃን ብሓያሎ ተኸታታሊ መስዋእትኻ ሓብሒብኻ ኣብ ለፅናሕኻያይ ሃገር ተኸቢርኻ፣ ፍትሓዊ ተጠቃሚ ኾይንኻይ ሃገራዊ ሓድነትኻ ኣጠናኺርኻይ ብሰላም ክትነብር፣ ሰሪሕኻ ክትልወጥ፣ ፂዒርኻ ክትብልፅግ፣ ልተመነኻዮ ማዕርነት፣ መሰል ዓርሰ ምሕደራ፣ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ፍትሕይ ዴሞክራሲይ ክትቋደስ ብሓዱሽ መንፈስይ ወነይ ልቐፃሊ ለውጢ ክትላዓል ብዓብይ ትሕትናይ ኣኽብሮትይ ፃዊዕትና ነቕርበልኻ፡፡
 
ዘለኣለማዊ ኽብሪ ልማዕርነት፣ ልፍትሒ፣ ልነፃነትይ ልሓድነት ሃገርይ ክብሉ ኽቡር መስዋእቲ ልልኸፈሉ ጀጋኑይ ሰማእታትይ
 
ፍልፍል፦ግዜኢ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
 
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
 
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
 
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
 
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
 
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.