Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ተጠቃሚ ንምግባር ዝተሓንፀፀ ትልሚ ብግቡእ ምትግባር ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ኣምሓራ ካብ ዝነበሮ ኩነታት ዘሳግርን ህዝቢ ተረባሒ ዝገብርን ስራሕ ንምትግባር ትልሚ ብሓላፍነት ምፍፃም ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣገንዚቦም፡፡

ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተረኸቡሉ መድረኽ ኣፈፃፅማ ትልሚ 2016 በጀት ዓመትን ገምጋም ትልሚ 2017 በጀት ዓመትን ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ፤ እቲ ክልል ብዝተፈላለዩ ዓውዲ ንምዕባይን ካብ 2018 ክሳብ 2022 ዓ.ም ዝትግበር ፍኖተ-ካርታ ተሰናዲኡ በቢብርኩ ንዘሎ ኣመራርሓ ከምዝቐረበ ተገሊፁ፡፡

መበገሲ ብምፍላጥ መብፅሒኻ ብምርዳእ ንምስራሕ ትልሚ መሰረታዊ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ÷ ንተፈፃምነቱ ድማ ናይ ኩሉ ትኹረትን ምፍፃምን ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

“እቲ ትልሚ ናይቲ ክልል ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ሃገር ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ብምግንዛብ ዕዙዝ ውፅኢት ንምምፃእ ተሓሲቡ ከምዝተሰናደአ ብምሕባር÷ ንተግባራዊነቱ ሃፍቲ እቲ ክልል ብትኽክል ዝተረዳ ብፍልጠት ዝተሓገዘ ስራሕ ካብ ኣመራርሓ ትፅቢት ይግበር” ኢሎም፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.