Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ብምሓዝ ኢትዮጵያ ክነሻግራ ኢና-ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ከተማ ጅማን ከባቢኡን ኣብ ስታዲየም ጅማ ንፓርቲ ብልፅግና ሰልፊ ደገፍ ኣካይዶም።

እቶም ሰልፈኛታት፥ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ውሽጢ ብዙሓት ፈተናታት ብምዃን ዝፈፀሞም ተግባራት ልምዓት ተስፋ ዝህቡ ኢዮም ኢሎም።

ብፍላይ ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ተዛዚሞም ንምርቓት ዝበቕዑ ፕሮጀክቲታት ናይቲ ፓርቲ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ዘርእዩ ከመዝኾኑ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ሓደሽቲን ዘመናዊን ናይ ምሕራስ ብልሓታት ብምጥቃም ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መስኖ ስርናይ ብምልማዕ ዝረኸብዎ ወፅኢት እቲ ፓርቲ ኣብ ሕድ ሕድ ገዛ መዕባለ ንምርግጋፅ ዘለዎ ቆርፀኝነት ዘረጋግፅ ኢዩ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ብግደኦም፥ ጫፍ በፂሑ ዝነበረ ፓለቲካ ኢትዮጵያ ናብ ማእኸል ብምስሓብ እዛ ሃገር ካብ ውድቀት ንዘድሓኑን ኣብ ሓዱሽ መገዲ ንክትጓዓዝ ዝገበሩን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ካልኦት ኣመራርሓን አመስጊኖም።

ብልፅግና ኣብ ውሽጢ ፈተና ኮይኑ ኣብ ሓፂር ግዘ ኣብ ክልል ኦሮሚያ 1 ሺሕን 11 ፕሮጀክቲታት ብምምራቕ ንኣገልግሎት ከምዝበቕዑ ተዛሪቦም።

ኣብቲ መርሃ ግሪ ሰልፊ ደገፍ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብግደኦም፥ “ኣኽቢርኩም ብንጉህኡ ኣብዚ ብምርካብ ኣቀባብላን ደገፍን ንዝገበርኩምልና ነበርቲ ጅማን ከባቢኡን አመስግን” ኢሎም።

ህዝቢ ብምሓዝ ኢትዮጵያ ክነሻግራ ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ደው እንተኢልና ዘይንስዕሮ ፈተና የለን ኢሎም።

ስግኣትና ናይ ኢትዮጵያ ምፍራስ እንተይኮነስ ኢትዮጵያ ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ጭዋዳ ክትከውን ኢያ ክብሉ ተዛሪቦም።

ብሙክታር ጣሃ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.