Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢን መንግስቲን ክልል ኦሮሚያ ኢትዮጵያ ካብ ዘንፀላለዋ ፈተና ንምውፃእ ብጭቡጥ ይትግብር ከምዘሎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢን መንግስቲን ክልል ኦሮሚያ ኢትዮጵያ ካብ ውሽጢንወፃኢን ዘንፀላለዋ ፈተና ንምውፃእ ሃገራዊ ፃውዒት ተቐቢሉ ብጭቡጥ ይትግብር ከምዘሎ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

እቲ ብሄራዊ ክልል ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣድሂቡ መግለፂ ኣውፂኡ።

ኣብ መግለፂኡ ድማ ህዝቢን መንግስቲን ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኩነታትን ክዘምት ኢየዝብል ሃገራዊ ፃውዒት ብጭቡጥ እናተግበሩ ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ፡፡

ግብረ ራዕዳውያን ህወሓት/ጁንታን ኦነግ-ሸኔን ግምባር ፈጢሮም ዝወጠኑዎ ሃገር ናይ ምፍራስን ህልቂት ምፍጣርን ዛዕባ ብምፍሻል ናፅነትን ሉኣላዊነትን ሃገር ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ንምቕፃል ዋርዲያ ኮይኖም ኢዮም ኢሉ፡፡

መኸታ ሉኣላዊነት ሃገር ንዝኾነ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደጀን ንምዃን ካብ ገጠር ክሳብ ከተማ፤ ካብ መንእሰይ ክሳብ ኣረጋውያን፤ ኩሎም ብወነ ሰዓራይነት ኢትዮጵያ ዝተቓነየ ዝተሓባበረ ቅልፅም ህዝቢ እቲ ክልል ብሕቡእ ይኹን ብቕሉዕ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝተሃንቀዉ ሓይሊታት ዘደንገፀ ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ህዝቢ ብገንዘብን ብናውቲን ንሰራዊት ምክልኻል ካብ ምሕጋዝ ሓሊፉ ብፍላይ መንእሰይ ብኣካል ናብ ሰራዊት እናተፀምበረ ክሳብ ናይ ህይወት መስዋእትነት ንምኽፋልል ዘርአዮ ቆራፅነት ታሪኽ ዘይርስዖ ከምዝኾነ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.