Fana: At a Speed of Life!

ህዝበ ክርስቲያን በዓል ልደት እንተኽብር ዝተመዛበሉ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ከምዝግባእ ኣቦታት ሃይማኖት ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2014 ( ኤፍ ቢ ሲ)ህዝበ ክርስቲያን በዓል ልደትኢየሱስ ክርስቶስ እንተኽብር ዝተመዛበሉ ወገናት ብምሕጋዝን ጉድኣት ዝበፅሖም ሓዘኖም ብምክፋል ክኸውን ከምዝግባእ ኣቦታት ሃይማኖት ፀዊዖም።

እቶም ኣቦታት ሃይማኖት፥ ኢትዮጵያዊያን ንሰላም ሃገሮም ብሓድነት ጠጠው ክብሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

መራሕቲ ሃይማኖት በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር መልእኽ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ፓትሪያሪክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ምእመናን በዓል ልደት እንተኽብሩ ንዝተመዛበሉ ወገናት እናሓሰቡ ንኽኸውን ፀዊዖም፡፡

ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፊኤል ብግደኦም፥ በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ እንትነኽብር ብምኽንያት ኲናት ዝተመዛበሉን ጉድኣት ዝበፅሖምን ወገናት ብምሕሳብን ሓዘኖም ብምክፋል ክኸውን ይግባእ” ኢሎም።

ላዕለዋይ ፀሓፊ ካውንስል ኣቢያተ ክርስቲያናት ኣመንቲ ወንጌል ኢትዮጵያ ቄስ ደረጀ ጀምበሩ፥ በዓል ልደት ንብረቶም ዓኒዩን ተዘሪፉን ስድረኦም ስኢኖም ኣብ ሓዘን ንዘለዉ ወገናት ፍቕርን ምትሕብባርን ብዘርኢ መልክዑ ምኽባር ይግባእ ኢሎም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

Top of Form

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.