Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ይኹን ኦነግ ሸኔ ናይ ሃገር ሰላምን ደሕንነትን ኣብ ሓደጋ ንከየውድቑ ብቑርፀኝነት ንሰርሕ ኣለና-ኣይተ ደስታ ሌዳሞ

ኣዲስ ኣበባ፣  10 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህወሓት ይኹን ኦነግ ሸኔ ናይ ሃገር ሰላምን ደሕንነትን ኣብ ሓደጋ ንከየውድቑ ብቑርፀኝነት ንሰርሕ ኣለና ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ገሊፀም።

ኣይተ ደስታ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኢትዮጵያ ዝነበራ ሰላም ነብ ኢዳ ክሳብ እተእቲ ህዝቢ ሲዳማ ድቃስ ኣይብሉን ኢሎም።

ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዘነፃፀሮ ናይ ህልውና ሓደጋ ንምክልኻልን ሃገር ኣብ ፅኑዕ መሰር ደው ንምባልን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ህዝብን መንግስትን ሲዳማ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ነዚ እውን ብዙሕ ሚሊየን ብር ዝግመት ገንዘብን ናውቲን ድጋፍ ከምዝተገበረ ሐቢሮም።

በወተወሳኺ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል አብ ግንባር ብምኻድ ነቲ ጁንታን ተለኣኣኽቱን ብምፍላም ዋልታ ሃገር ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ ኢዩ ኢሎም ክብል ደሬቴድ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.