Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ዝጀመሮ ኲናት ንሓንሳብን መወዳእታን ንምስዓር ካብ መናእሰይ ልዑል ምርብራብ ትፅቢት ይግበር-  ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህወሓት ዝጀመሮ ኲናት ንሓንሳብን መወዳእታን ንምስዓር ካብ መናእሰይ ልዑል ምርብራብ ትፅቢት ይግበር ከብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ፃውዒት ኣቕሪቦመ።

ሊግ መናእሰይ ክልል ጋምቤላ “ንምዕባለ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ዝፅዕር ተውልዲ” ብዝብል መሪሕ  ቃል መዛዘሚ ኮንፈረንስ ቅድመ ጉባኤ የካይድ ኣሎ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ኮንፈረንስ ዝተረኸቡ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ድሕሪ ለውጢ ኣይከኣልን ዝተብሃለ ብምኽኣል ንክነርእይ ግደ መናእሰይ ልዑል ነይሩ ኢሎም።

እቶም መናእሰይ ሃገራዊ ለውጢ ዕላዊ ንክኸውን ልዑል መስዋእትነት ከመዝኸፈሉ እውን ኣዘኻኺሮም።

ሰላም ኢትዮጵያ ንምዝራግን እቲ ለውጢ ንምትዕንቓፍን ዘይድቅሱ ሓይሊታት ሐዚ እውን ንኢትዮጵያ ንምፍራስ ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ህወሓት ዝጀመሮ ኲናት ንሓንሳብን መወዳእታን ንምስዓር ካብ መናእሰይ ልዑል ምርብራብ ትፅቢት ይግበር አወን ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.