Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ዝኸፈቶ ኲናት ብዓወት ንምዝዛም ብኹሉ ዓውዲ ብምውዳድ ምስራሕ ይግባእ- ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ብብሄርን ሃይማኖትን እንተይተኸፋፈሉ ብሓድነት ንህልውና ሃገሮም ክሰርሑ ከምዝግባእ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ምስ ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ገንዘብን ተፀዋዕቲ ትካላትን ተዛቲዮም፡፡

እቶም ሚኒስትር፥ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዕለታዊ ስረሖም ብሓላፍነት ካብ ምትግባር ሓሊፉ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንሳልሳይ ግዘ ዝኸፈቶ ኵናት ብዓወት ንምዝዛም ትፅቢት ዝግበረሎም ግደ ክዋፅኡ ከምዝግባእ ሓቢሮም፡፡

“እዚ ንምዕዋት ድማ ኢትዮጵያውያን ብብሄርን ሃይማኖትን እንተይተኸፋፈልና ብሓድነት ንህልውና ሃገርና ደጀን ክንከውን ይግባእ” ኢሎም፡፡

ዜጋታ ወራር ህወሓት ንምምካትን ብዓወት ንምዝዛም ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ሎጂስቲክስን ስነ-ልቦናን ብመሃብ ደጀንነቶም ንኸረጋግፁ ፃውዒት ምቕራቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሰራሕተኛታት እቲ ሚኒስቴር ምስ መሓዙት ልምዓት ዘለዎም ርክብ ተጠቒሞም ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ወራሪ ሓይሊ ፅዕንቶ ብምግባር ናብ ሰላማዊ ድርድር ንኽመፅእ ፀቕጢ ንኽገብሩ ሓቲቶም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.