Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ኣብ ዝወረሮም ከባቢታት ዞባ ሰሜን ወሎ እኹል ክትትል ጥዕና ምርካብ ዝግበኦም ዜጋታት ንዝኸፍአ ፀገም ከምዝተቓልዑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህወሓት ኣብ ዝወረሮም ከባቢታት ዞባ ሰሜን ወሎ እኹል ክትትል ጥዕና ምርካብ ዝግበኦም ዜጋታት ንዝኸፍአ ፀገም ከምዝተቓልዑ ተገሊፁ።

ሓላፊ መምርሒ ጥዕና እቲ ዞባ ወይዘሮ ሰላማዊት አያሌው ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝልኡ፥ ኣብቲ ዞባ 6 ሆስፒታል፣ ብዙሓት ትካላት ውልቀ ጥዕናን ጣቢያታት ጥዕናን ንኣዶታት ወሊድ ኣገልግሎትን ክትትል ይህቡ ነይሮም።

ይኹን እንበር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ነቲ ከባቢ ድሕሪ ምቁፅፃሩ እተን ትካላት ሙሉእ ብሙሉእ ብምዕናወን ካብ ኣገልግሎት ወፃእ ብምዃነነን ኣዶታት ኣብዚ እዋን አንታይ ከምዝገጠመን ምፍላጥ ኣይተኽኣለን።

ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ መድሓኒታት ዝወስዱ ዝነበሩ ሕሙማት ሕክምንኦም ብምቁራፁ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብህወት ይህልዉ ኢዮም ንምባል ከምዝፅገማ ገሊፀን።

ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 18 ሺሕ ተሓከምቲ ሽኮር፣ ልዕሊ 20 ሺሕ ተጠቀምቲ ፀረ ኤች አይ ቪ፣ 1 ሺሕን 145 ተሓከምቲ ቲቢ ከምዝነበሩ ኣዘኻኺረን።

ብይከበር ኣለሙ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.