Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት መሰል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ብዝተፀንዐ መልክዑ ይጥሕስ ነይሩ – ዶ/ር ኢዮብ ተካልኝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ስርዓት ፌዴራል ብዝተሰሓሓተ መገዲ ብምጥቃም መሰል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ብዝተፀንዐ መልክዑ ይጥሕስ ከምዝነበረ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ዶክተር ኢዮብ ተካልኝ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ህንዲ ሚዲያ ፃንሒት ገይሮም፡፡

ኣብ ፃንሒቶም ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ጎንፂ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብታ ሃገር ዝተጀመረ ለውጢ ንምዕፃፍ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ምፍናዉ ስዒቡ ዝተጀመረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ዶክተር ኢዮብ፥ “ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምድጋፍ ዝፈትኑ ሓይሊታት ዘረጋግፆ ኢትዮጵያ ከምትስዕር ኢዩ” ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ምስ ካብ ወፃኢ ሓይሊታት ሓገዝ ሳትላይትን ካልኦት ሓገዛትን ከምዝረክብ እውን ተዛሪቦም፡፡

እዚ ድማ ብመረዳእታ ከምዝተረጋገፀ ብምግላፅ፥ ሰላምን ምርግጋዕን ኢትዮጵያ ንሓፈሻዊ ምርግጋእ እቲ ዞባ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.