Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ኣብ ዓፋር ወረዳ በርሃሌ ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ብዙሓት ንፁሃን ሰባት ተጎዲኦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዓፋር ወረዳ በርሃሌ ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ብዙሓት ንፁሃን ሰባት ተጎዲኦም።

ብኣማኢት ዝቑፀሩ ንፁሃን ብጥይት ቆሲሎም ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ኣብዓላ ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝኾነ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣረጋጊፆም፡፡

እቶም ቁሱላት ብከቢድ መሳርሒን ብበሊሕ ነገርን ተጎዲኦም ናብቲ ሆስፒታል ምምፀኦም ነርስ ኪያር ኣሊ ተዛሪቡ፡፡

እቶም ጉዱኣት ከምዝገለፁዎ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ምሸት ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ንፁሃን ቀቲሉ ኢዩ፡፡

ስድረኦም ኣበይ ከምዘለዉ ዘይፈልጡ ቁሱላት ከምዘለዉ እውን ተሓቢሩ፡፡

ሕክምነኦም እናተኸታተሉ ዝርከቡ ቁሱላት፥ ጭካነ እቲ ጉጅለ ንህፃናት እውን ዘይርህርህ ኢዩ ኢሎም፡፡

ብታሪኩ ለገሰን ጌታሰው የሺዋስን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.