Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ንምድምሳስ ናብ ግንባር ንምውፋር ድሉዋት ከምዝኾኑ ነበርቲ ደባርቕ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምድምሳስ ናብ ግንባር ንምውፋር መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዘቕረቦ ፃውዒት ስዒቡ ነበርቲ ደባርቕ ድሉዋት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ብርሀኑ ጸጋዬ÷ ወራሪ ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ መወዳእታ ናብ ከባቢ ደባርቕ መፂኡ ብሓይሊ ፀፅታን መንእሰይን ተቐፂዑ ዝተረፈ እግረይ ኣውፅእኒ ብምባል ምህዳሙ ኣዘኻኺሮም።

“ሎሚ እውን ከምትማሊ ህዝቢ ወረዳና ካብ ዘለዎ ኣለዓዒልና ዓወት ክንሓፍስ ኢና” ኢሎም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ከተማ ደባርቕ ኣይተ መብራቱ ሙሉጌታ፥ ፃውዒት ወፍሪ ህልውና ንዝተቐበሉ ነበርቲ ኣመስጊኖም።

“ኣወዳድባና ኣጠናኪርና ዘንፀላለወና ወፍሪ ህልውና ክንምክት ኢና” ክብሉ ምዝራቦም ካብ ኮሚኒኬሽን ወረዳ ደባርቕ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.