ህወሓት ብስም ህዝቢ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ንወታደራዊ ዓላማ ምውዓል ይቕፅለሉ ኣሎ-መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህወሓት ብስም ህዝቢ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ንወታደራዊ ዓላማ ምውዓል ቀፂልሉ ይርከብ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።
ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከብ መኽዘን ውድብ ምግቢ ዓለም ኣብ 12 ታንከር ነዳዲ ዝነበረ 570 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ዝፈፀሞ ዘረፋ መንግስቲ ብፅኑዕ ይኹንን። እቲ ዘረፋ ዝፈፀመ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ንዳግማይ ጥቕዓት ኣብ ዝተዳለወሉ እዋን እዩ።
ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዮም ኣንገብገብቲ ዝኾኑ ምግብታትን እታወታት ሕርሻን ንምክፍፋል ናብቲ ክልል ዝኣተወ ነዳዲ ዘረፋ ዝፈፀመ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት፤ ብስም ህዝቢ ትግራይ ዝነግድ ኢሰብኣዊ ጉጅለ ምዃኑ ብጭቡጥ ዘረጋግፅ ጥራሕ ከይኮነስ ግልፂ ገበን ኹናትን ዓለም ለኸ ሰብኣዊ ሕግታት ዝጠሓሰ ድርጊት እዩ።
ትማሊ በቲ ጉጆለ ራዕዲ ዝተፈፀመ ዘረፋ ሰብኣዊ ሓገዝ ብፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ብቢሮ ጉዳያት ምትሕብባር ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ተረጋጊፁ እዩ።
ንህዝቢ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ምግቢ ንምብፃሕ ዝኣተወ ነዳዲ ህወሓት ዝፈፀሞ ዘረፋ ዳግም ኣብ ቆቦን ከባቢኣን ንዝኸፈቶ ጥቕዓት መፈፀሚ ክጥቀመሉ ከምዝኾነ ተፈሊጡ። ዓለም ለኸ ትካላት ከምዘረጋገፅዎ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ኣብ መቐለ ካብ ዝፈፀሞ ዘረፋ ብተወሳኺ እቲ ድርጊት ደው ንምባል ዝሞከሩ ሰብ ሞያ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣሲሩ እዩ።
ከምዝፍለጥ መንግስቲ ናብ ክልል ትግራይ ኣድላይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝግባእ ክበፅሕ ንምግባር ናይ ተናፀል ተፃብኦ ደው ምባል ካብ ምግባር ብዝዘለለ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምድርን ብኣየርን ክበፅሕ እናገበረ ፀኒሑ እዩ። ብተወሳኺ እውን መንግስቲ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ነቲ ጎንፂ ሰላማዊ መፍትሒ ንምሃብ ከምኡ እውን ምትእምማን ንምፍጣር ክከኣል ምእንቲ ሰብኣዊ ሓገዝን መሰረታዊ ግልጋሎትን ንምጅማር ዘኽእሉ ምድላዋት እናገበረ ምፅንሑ ይፍለጥ። እንተኾነ ግን መንግስቲ ምእንተ ሰላም ዝወሰዶም ስጉምትታት ኩሎም ብጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ተቐባልነት ኣይረኸቡን።
ካብዚ ሓሊፉ ቅድሚ ውሱን መዓልቲ ኣባልን ደጋፍን ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፤ ዓለም ለኸ ትካላት ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ከገልግል ኣለዎ ዝብል መሰረታዊ መርህ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምክፍፋል ዝውዕል ነዳዲ ሕፅረት ኣሎ ብምባል ጠቐነ እናቕረበ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ትማሊ ዝፈፀሞ ዘረፋ እቲ ጉጅለ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝኣተወ ነዳዲን ሓገዝ ምግብን እናዘረፈን ንኹናት ክጥቀመሉ ከምዝፀንሐ ንመላእ ዓለም ግልፂ ዝገበረ እዩ።
ኹናት ካብ ዝጅመር ጀሚሩ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት እርዳታ ንወታደራዊ ዓላማ እናውዐለ ምዃኑን እዚ ድማ ገበን ምኳኑ መንግስቲ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብተደጋጋሚ እናተሓሳሰበን እናጠንቀቐን ፀኒሑ እዩ። መንግስቲ ክገልፆ ዝፀንሐን ህወሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ንወታደራዊ ዓላማ እናውዐለ ምዃኑ ዘይሻራዊ ዓለም ለኸ ምርመራታት ብጭቡጥ ዘረጋገፅዎ ሓቂ እዩ። እንተኾነ ግን መላእ ኢትዮጵያዊያን ብዘሕዘነ መልክዑ መንግስቲ ክህቦ ዝፀንሐ መተሓሳሰቢ ሰማዒ ከይረኸበ፤ ግቡእ ዝኾነ ተሓታትነት ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጆለ ራዕዲ ከይተወሰደ ፀኒሑ እዩ።
ትማሊ በቲ ጉጅለ ራዕዲ ዝተፈፀመ ዘረፋ ንመላእ ዓለም ግልፂ ብዝኾነ መልክዑ ምንነት እቲ ጉጅለ ዘርአየ እኳ እንተኾነ ካብ ታሪክ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ክንርድኦ ንኽእል ህወሓት ካብ 1970ታት ጀሚሩ ንህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ዝኣትው ሰብኣዊ ሓገዝ ምዝራፍ ዝለመደ ካብ ሰብኣውነት ዝወፀ ገበነኛ ጉጅለ እዩ።
ስለዝኾነ መንግስቲ
1) ዝተዘረፈ ነዳዲ ክምለስ
2) ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርቡ ትካላት ዝቐረበሎም መረዳእታ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ግልፂ ዝኾነ ተሓታትነት ከስፍኑ
3) ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ብዝፈፀሞም ገበናት ተሓታቲ ክገብር ኢሉ እውን ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝተዓለመሉ ዓላማ ምውዓሉን ንህዝቢ ትግራይ እናተባፅሐ ምዃኑ መተኣመኒ ክህብ ይሕተት።
መንግስቲ ሕዚ እውን ንሰላማዊ ኣማራፂ በሩ ኽፉት ምዃኑን ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ዳግማይ ይፍፅሞ ዝርከብ ጥቕዓት ደው ኣቢሉ ናብ ሰላማዊ ምኽክር ክመፅእ የተሓሳስብ። እንተኾነ ግና እዚ ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ዘይቕበል እነተኾይኑ መንግስቲ ሃገራዊ ልኣላውነትን ድሕንነት ዜጋታት ንምሕላው ኣድላይ ስጉምቲ ክወስድ እዩ። ሽብርተኝነት ብምዕራባዊያን ኮነ ብዓለም ተቐባልነት የብሉን ብኢትዮጵያ እውን ፍፁም ቦታ የብሉን!
19 ነሓሰ 2014 ዓ.ም
ኣዲስ ኣበባ
ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ