Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ሽሙ ምስ ህዝቢ ትግራይ ኣተኣሳሲሩ ይጠቐም እምበር ንህዝቢ ትግራይ ዛዕቡኡ ገይሩዎ ኣይፈልጥን – ዶክተር ኣብረሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዘሓለፉ 50 ዓማውቲ ሽሙ ምስ ህዝቢ ትግራይ ኣተኣሳሲሩ ይጠቐም እምበር ንህዝቢ ትግራይ ዛዕቡኡ ገይሩዎ ኣይፈልጥን ክብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብረሃም በላይ ገሊፆም።

ዶክተር ኣብረሃም ምስ ግዜኢ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ህዝቢ ትግራይ ከም ዝኾነ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ተጠቃዒ ሽርሒን ክፍኣትን እቲ ጉጅለ ኮይኑ ምፅንሑ ተዛሪቦም።

ህዝቢ ካብ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ብዝተፈለየ መልክዑ ዝኾነ ይኹን ረብሓ ዘይረኸበ ምዃኑ እናተፈለጠ “ብዳያስፖራ ተጋሩ እናተሰርሐ ዝርከብ ስራሕ ዘሕዝን ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

ሓደ ሓደ ዳያስፖራታት ኣብ ዝሓሸ ሃገር ዝተደላደለ ናብራ እናመርሑ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ መዕለቢ ከይህልዎ ነቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ይሕግዙ ኣለዉ ዝበሉ ዶክተር ኣብረሃም፥ “ህዝቢ በቢደቒቑ እናሃለቐን ህፃናት እናረገፉን ምንም ዘይመስሎም ተወለድቲ ትግራይ ዘሕዝን ተግባር ይፍፅሙ ኣለዉ” ኢሎም።

እዚ ድማ ውክልነኦም ንህዝቢ ትግራይ ዘይኮነስ ነቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ከምዝኾነ ብግሊፂ ዘርኢ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት “ብሽርሒን ብዓፈናን ንህዝቢ እናመሓደረ ምፅንሑ ዝሓበሩ ዶክተር ኣብረሃም፥ ሕዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ይኹን ኣማራፂ ሓበሬታ ከይረክብ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ብዛዕባ ሽርሒ እቲ ጉጅለ ብግልፂ ንኽርዳእ ተሓባቢርካ ምስራሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

ህዝቢ ትግራይ እውን እንተኾነ፥ ንህዝቢ ትግራይ ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣተሓሒዙ ክምልከቶ ክምልከቶ ከምዘይግባእ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ከም ማንም ኢትዮጵያዊ ብሃገሩ ዝኾርዕ፣ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዓቢዪ ግደ ዝተፃወተ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.