Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ፕሮጀክት ዜሮ ኪሎሜትር ዓድዋ 75 ሚኢታዊ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣደባባይ ሚኒሊክ ካልኣይ እናሃነፆ ዝርከብ ፕሮጀክት ዜሮ ኪሎሜትር ዓድዋ ህንፀቱ 75 ሚኢታዊ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ።

ምክትል መካየዲ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ዓበይቲ ፕሮጀክታት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ምሬሳ ልኬሳ፥ ህንፀት ማእኸል ዓድዋ እናተዛዘመ ከምዝኾነን ሓፈሻዊ ኣፈፃፅምኡ 75 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐን ገሊፆም።

ህንፀቱ ኣብ 3 ነጥቢ 3 ሄክታር መሬት እናተኻየደ ከምዝኾነ ብምሕባር 11 ህንፃታት ዘካተተ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ውሽጡ ድማ ሙዚየም፣ ኣምፊ ቴኣትር፣ ናይ ውሽጢ ገዛ መዘናግዒታት፣ ዓቢዪ ኣዳራሽ፣ ልዕሊ 1 ሺሕ መቖሚ መኪናን ካልኦት ክፍሊታትን ዝሓዘ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.