Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ፕሮጀክት መፈለፈሊ ሓይሊ ኤሌትሪክ ኮይሻ 40 ሚኢታዊ ምብፅሑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህንፀት ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌትሪክ ኮይሻ 40 ሚኢታዊ ምብፅሑ ተገሊፁ።

ካብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ቀፂሉ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌትሪክ ዝኮነ ፕሮጀክት ሓይሊ ኤሌትሪክ ኮይሻ፥ ከይዲ ህንፀቱ 40 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ኢዩ ሓይሊ ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ ገሊፁ ዘሎ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሓይሊ ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ ሞጎስ መኮነን ንኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅዎ፥  2 ሽሕን 160 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌትሪክ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ዘለዎ ፕሮጀክት ኮይሻ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ከይዲ ህንፀቱ 40 ሚኢታዊ በፂሑ።

ኣብ ክልል ደቡብ ፍሉይ ወረዳ ኮንታ ዝርከብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻ፥ ኣብ 2008 ዓ.ም ውዕሊ ህንፀት ዝተፈረመሉን መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጊቤ ሰለስተ ካብ ዝርከበሉ 128 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዝርከብን ግድብ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.