Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ፋብሪካ ናሽናል ሲሚንቶ ለሚ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህንፀት ፋብሪካ ናሽናል ሲሚንቶ ለሚ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ህንፀት እቲ ፋብሪካ ኣብ መዓልቲ 10 ሺሕ ቶን ሲሚንቶ ከፍሪ ትልሚ ተታሒዙ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ እንሳሮ ከተማ ለሚ ኢዩ እናተሃነፀ ዝርከብ፡፡

ፋብሪካ ናሽናል ሲሚንቶ ለሚ እታወት ናይ ምብልዕላዕ ተግባር ዘለዎ ክፍሊ እቲ ፋብሪካን ናብ ቀፃሊ ከይዲ ዘመሓላልፍ ቱቦን ከምዝተዛዘመ እውን ተገሊፁ፡፡

ኩባንያ ኢስት ኣፍሪካን ሆልዲንግ ምስ ሰብ ሃፍቲ ቻይና ብምትሕብባር እናተሃነፀ ዝርከብ እቲ ፋብሪካ÷ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዝተሃቀነሉ እዋን ንምዝዛም ብልዑል ቅልጣፈን ፅሬትን ቀትሪን ለይቲን እናተሰርሐ ይርከብ ተባሂሉ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ፋብሪካ ናሽናል ሲሚንቶ ለሚ ከይዲ ህንፀቱ ዑደት ምግባሮም ይዝከር፡፡

ብኣዲሱ ሙሉነህ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.