ህንፀት መዕርፎ ነፈርቲ መቱ-ጎሬ 60 ሚኢታዊ በፂሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሚኒስትር ተፀዋዒ መንግስቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ መቱ-ጎሬ ዑደትይ ኣካይዱ።
ተስፋዬ ቤልጂጌ (ዶ/ር)፥ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ነቲ ዞባ መነሃሪያ ኢንቨሰትመንትን ሃወፅቲን ኣብ ምግባር ልዑል ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ንክህልዎ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።
ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ምልማዕ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነትን ምዕባለን ሃገርን ህዝብን ንምርግጋፅ ዝግበር ፃዕሪ ከምዝሕግዝ ተዛሪቦም።
ህንፀት እቲ መዕርፎ ነፈርቲ 60 ሚኢታዊ ምብፅሑ እውን ኣብቲ እዋን ተገሊፁ።