Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ሎጅ ገርዓልታ ኣብ ውሽጢ 1 ዓመት ውስጥ ክዛዘም ኢዩ- ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣካል ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ዝኾነ ሎጅ ገርዓልታ ህንፀቱ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት አንድ ብምዝዛም ንኣገልግሎት ክፍቲ ከምዝግበር ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)፣ ዋና ዳይሬክተር ብሔራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፣ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳን ካልኦት ኣመራርሓ መንግስቲ ፌደራልን ክልልን ኩነታት ስራሕ ሎጅ ገርዓልታ ተዓዚቦም።

ድሕሪ እቲ ዑደት ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ከምዝገበሩ ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ምስቲ ከባቢ ዝተጠዓዓመ ኢኮ-ሎጅ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ተፈጥሮኣዊ ፀጋ ኣብዘለዎ ሰንሰለታዊ እምባታት ከምዝህነፅ ገሊፆም።

እቲ ስራሕ እንትዛዘም ተሓረይቲ ካብ ዝኾኑ ከበቢታት ህወፃ ሓደ ክኸውን ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ከይዲ ህንፀቱ፥ ጥቡቕ ኣፈፃፅማ፣ ክትትልን ደገፍን ከምዝግበረሉ ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ክፍቲ ከምዝኸውን እውን ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.